ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣብራር ዑስማን“ሰብ ግደ ሰብ ክመልእ ኣይክእልን’ዩ ናይ ባዕሉ ቦታ ጥራሕ’ዩ ዝመልእ” ድምጻዊ ኣብራር ዑስማን

28/11/09


ናይ ሎሚ ዕዱምና ህቡብ ድምጻዊ ኣብራር ዑስማን’ዩ። ኣብራር ብርቀት ዜማታቱን ሓያል መልእኽቲ ግጥምታቱን ዝልለ ንስነ-ጥበብ ሃገርና ሓደ ደረጃ ንቕድሚት ዘሰጎመ ንሕበነሉ ድምጻዊ’ዩ። ኣብ ሓንቲ ደርፊ ካብ ኣርባዕተ ዘይውሕድ ዜማታት ሰዂዑ ደርፍታቱ ብዘይምስልቻው ከምንሰምዕ ዝገበረ፣ ብሉጽ ፍርያቱ ኣብ 2000 ዓ/ም ናይ ራይሞክ ሽልማት ዝወሰደ። ስነ-ጥበባውያን ሃገርና ቅዱስ ቅንኢ ሓዲርዎም ፍሉይ መሃዝነት ከርእዩ ዝቐሰበ ምቑሉል ኣቦ ስነ-ጥበብ ሃገርና’ዩ። ኣብራር ኣብ 1975 ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ንሃገርና ናጽነት ንምጉንጻፍ ናብ ተ.ሓ.ኤ. ተሰሊፉ። ኣብኡ ዕቑር ዓቕምታቱ ዘማዕብለሉ ምቹእ ናይ ስነ-ጥበብ ባይታ ረኺቡ፡ ከም ደራፋይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ህቡብነቱ እናዓዘዘ መጺኡ። ክሳብ ሕጂ ኣስታት 28 ደርፍታት ደሪፉ ኣሎ። ገለ ኣብ ሜዳ ዝደረፎ ደርፍታት ውን ጌና ንማሕተም ዘይበቕዐ ኣለዎ። ሕጂ ኣብ ሃገር ጀርመን እናተቐመጠ፡ ንሞያ ስነ-ጥበብ ኣብ ትርፊ ግዚኡ እናሰርሐ ከማዕብሎ ይህቅን ኣሎ። ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2009 ኣብ ካናዳ ዑደት ክገብር ምስ መጽአ፡ ነቲ ዘለዎ ሃብታም ስነ-ጥበባዊ ተሞክሮ ከካፍለና ቃለ-መጠይቕ ኣካይድናሉ ኔርና። ንስለቲ ዝገበረልና ልዑል ምትሕብባር ብስም ኣንበብቲ እናመስገና ናብ ጽማቕ ትሕዝቶ ናይቲ ቃለ-መጠይቕ ነሕልፈኩም።

መፍትሕ፡- መጀመርታ ኣብ ሙዚቃ ዓለም ንክትኣቱ ዝደረኸካ ነገር እንታይ ኔሩ ትብል?

ኣብራር፡- ኣብ ገዛውትና፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብገለ ገለ ምኽንያት ናይ ሙዚቃ ስምዒት ሓዲርኒ ኔሩ። ኣብ ሜዳ ምስ ወጻእኩ ከምኡ ዓይነት ህይወት ክህሉ’ዩ ዝብል እምነት ኣይነበረንን። ኣጋጣሚ ግን እቲ መድረኽ ንኩሉ ስነ-ጥበባዊ ዝዕድም ስለዝነበረ፡ ሓያሎ መማህራን፡ ተጻወቲ ኩዕሶ፡ ሞያ ዘለዎም ሰባት ይወጽኡ ስለዝነበሩ፡ እቲ ሞያ ስነ-ጥበብ ኣብ ሜዳ ምዕንባብ ቀጺሉ። ነቲ ዝነበረኒ ሕልሚ ድማ ጋህዲ ከምዝኸውን ጌርዎ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ይቕጽሎ ኣለኹ።

መፍትሕ፡- ግጥሚን ዜማን ደርፍታትካ መን ይደርሶ?

ኣብራር፡- ዝበዝሕ ግዜ ባዕለይ’የ ዘዳልዎ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ካብ ካልኦት ብጾት ይወስድ’የ።

ኣነ ንበይነይ ስለዝነብር ባዕለይ ክገብሮ ይግደድ’ምበር ናይ ሓባር ክኸውን ደስ’ዩ ዝብለኒ። ስነ-ጥበብ ናይ ሓባር ስራሕ’ዩ። ኣብቲ ሞያ ብፍሉይ (በብሞይኦም) ክሰርሑ ዝኽእሉ ዝያዳ ኣትኩሮ ዘለዎም ክሰርሕሉ ኣለዎም። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ካብ ተውህቦታት ስለዝሰርቕ፡ እምብዛ እንተዘይተገዲድካ ክትኣትዎ ጽቡቕ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ሓደ ንተራ፡ ካልኣይ ድማ ንሓያልነት መልእኽቱ።

መፍትሕ፡- ኣብ 2000 ዓ/ም ናይ ራይሞክ ሽልማት ወሲድካ ኔርካ። እዚ ንዕቤት ሞያኻ ክሳብ ክንደይ ሓጊዝዎ ትብል?

ኣብራር፡- ብርግጽ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕለይ ዘለዎ ደረጃ ሙቐት መዐቀኒ ኮይኑኒ’ዩ። ብዝያዳ ካብኡ ዝዓበየ ንክሰርሕ ኣተባቢዕኒ። ንዕኡ ከም ዓቢ ሓላፍነት ስለዝወሰድክዎ፡ እንታይ ክገብረሉ ከምዝኽእል ኩሉ ግዜ የጨንቐኒ’ዩ። ስለዚ ብጣዕሚ ዓቢ ነገር’ዩ ኔሩ።

መፍትሕ፡- ክሳብ ሕጂ ካብ ዝደረፍካየን ደርፍታት ብዝያዳ ኣብሊጽካ ትርእያ ደርፊ ኣየነይቲ’ያ?

ኣብራር፡- ብርግጽ እዚ ካብዚ ክብለካ ኣይደልን። ልክዕ ከምቲ ሰብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምስ ናይ ባዕሉ እዋን ዝጥምቶ፡ ኣነ ውን ከምኡ ናይ ሙዚቃ ውህደት ወይ ገለ እንተዘይኮይኑ፡ ንኩሉ ቂንን ኢለ ስለዝሰራሕክዎ ልክዕ ከምቲ ኣደ ንውላዳ 9 ኣዋርሕ ትጾሮ፡ ከምኡ ኣብ ሓንጎለይ ንዓመታት ጼረዮ’የ። ስለዚስ ንውላደይ ብማዕረ ክሪኦም’የ ዝፍትን።

መፍትሕ፡- ካብ ስነ-ጥበባውያን ሃገርና ተድንቖ ሰብ መን’ዩ?

ኣብራር፡- ኩሉ ግዜ ኣብዚ ናትና ክውንነት ንሞያውያን ድኹምን ሓያልን ጎድንታት ኣለዎም። ኩሎም ኣሰራርሕኦም ሓደ ኣይኮነን። ኩሎም ሓደ ዓይነት መልእኽቲ የብሎምን። ከምዚ ስለዝኾነ ብዙሓት ስነ-ጥበባውያን’የ ዘድንቕ። ስለዚ እዝን እትን ክብለካ የሸግረኒ’ዩ። ንምንታይሲ ታሪኻውያን ከም በዓል ወድ ኣሚር፡ ኣቶ ኣቶብርሃን፡ ፡ ማትኣ፡ ንሕና መቐጸልታ ናይቶም ዝነበሩ’ምበር ናይ ባዕልና ኣይኮናን። በዓል ነፍስሄር የማነ ገብረሚካኤል፡ ኣብርሃም ኣፍወርቂ ከይዘከርክዎም ክሓልፍ ኣይደልን። ናቶም ብኩራት ንዓና ኣብ ህይወት ሳሕዊ ጌርልና’ዩ። ሰብ ግደ ሰብ ክመልእ ኣይክእልን’ዩ ናይ ባዕሉ ቦታ ጥራሕ’ዩ ዝመልእ። ናቶም ምብኳር ንሞያና ሓያል ጸቕጢ ከምዝኾነ’ዩ ዝኣምን። ስለዚ እዝን እትን ክብለካ የሸግረኒ’ዩ። መፍትሕ፡- ቀንዲ ብድሆታት ወይ ብልጫታት ናይ ኣብ ስደት ዘለዉ ስነ-ጥበባውያን ብከመይ ምገለጽካዮ?

ኣብራር፡- ብሓቂ ኩሉ ስነ-ጥበብ ኣብ ስደት ዓዲ ውዒሉ’የ ዝብል። ንምንታይ መጀመርታ መቖሚታት የብሉን፣ ከም ሞያ ፍሉጥ ስራሕ ኣይኮነን፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ተባላሓትነት ዝረክብ ኣይኮነን። ኣብ ገለ ገለ እዋን ውን ከም ምንጪ ናይ እቶት ወይ ከም ተወሳኺ ዝርአ’ዩ። ኣብኡ ዝግበር ፋሕተርተር ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። ስለዚ ኣብ ስደት ዘሎ ስነ-ጥበብ ክንቀፍ ዝግብኦ’ዩ። እቶም ኣብ ትምህርቲ ኣለዉ ዝባሃሉ ኤርትራውያን ብዝለዓለ ኣገባብ ነቲ ባህሊ፡ ያታ ናይቲ ህዝቢ ናብ ካልእ መድረኽ ከሰጋግርዎ ብዙሓት ከምዝጽበዩ ካብ ኤርትራ ዝመጽኡ ስነ-ጥበባውያን ይነግሩኒ’ዮም። እዚ ግን ጨሪሱ ቦትኡ ከምዘይረኸበ’የ ዝኣምን።

ካልኣይ ድማ ብማሕበር ደረጃ ፖለቲዛይዝድ’ዩ (ፖለቲካዊ መልክዕ ዝሓዘ’ዩ)። ዝተመልከ፡ ዘይህዝባዊ ኣገባብ ዘለዎ’ዩ። ብርግጽ እቲ ንሕና ንዛረቦ ህዝባዊ ቋንቋ’ዩ፡ ያታ ናይቲ ህዝቢ’ዩ። ግን ንባዕልና ምስቲ ህዝብን ነቲ ህዝብን ንድሌቱ ዝምእዘዝ ስራሕ ክንሰርሕ ኣይበቓዕናን። ንዕኡ ከነተግብር ኣብ ንፍትነሉ እዋን ድማ ብዙሕ ጸገማት የጋጥመና’ዩ።

መፍትሕ፡- ገለ ኣብነት ዶ ምገለጽካ

ኣብራር፡- ከም ውጽኢት ናይ ቃልሲ (ስነ-ጥበብ) ተወዲቡ ክኸይድ ዝጸንሐ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ስራሕ’ዩ። ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኣይኮነን።  ፖለቲካ ምእንቲ ህዝቢ ብዙሕ’ዩ ዝዛረብ፡ ግብሩ ግን ውሑድ’ዩ። ንስልጣንን ካልእ ስርሓትን’ዩ። ስለዚ ድሌት ህዝብና ብርግጽ ኣብ ስነ-ጥበብ ክምርኮስ ኣለዎ’የ ዝብል። እምነተይ ከምኡ’ዩ። ኣብቲ ሓፈሻዊ ስራሕ ኩላህና ሓደ ኢና። እቲ ቁጠባዊ ህይወትና ነቲ ፖለቲካዊ ህይወትና ይጸልዎ’ዩ። ኩሉ እቲ ማሕበራዊ ህይወት ተዋሃሂዱ ክሰርሕ ኣይክኣለን። ስነ-ጥበብ ምስ ህዝቢ ተሓቛቒፉ ዝኸይድ ነገር’ዩ። ነቲ ካልእ ጎድንታት ክነቅፍን ክንእድን ዝኽእል ኮይኑ ክርከብ ኣለዎ። ብዙሓት ምናልባት ኣነ ዝወሰድክዎ (ኣካይዳ) ነቶም ናይ መንግስቲ ወይ ካልኦት ፖለቲካውያን ሓይልታት እቲ መርገጺ ብሩህ ኣይኮነን። ‘ኣብራርሲ ኣብቲ ህይወት ናይ ምብላጽ’ መደብ ዘሎ ዝመስሎም ኣለዉ። ግን እቲ ሓቂ ንሱ ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ንዝተረዳኣኒ ርኡይ’ዩ። ፖለቲካውያን ነንሓድሕድኩም ኢኹም ትወዳደቡ። ሓደ ናይ እገለ እቲ ሓደ ናይ እገለ፡ ንሕና (ስነ-ጥበባውያን) ግን ናይ ኩሉ ምዃና’የ ዝኣምን። ከምቲ ትማሊ ዝራኣኻዮ (ኣብ ቶረንቶ ዝተወደበ ምርኢት) መን’ዩ ካበይ ዝመጽአ’ዩ ዝፈልጥ የለን። እቲ መልእኽቲ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ዝኣመተ’ዩ ኔሩ። ብመልክዕ ፖለቲካ (ዝተወደበ) ኣይኮነን።

መፍትሕ፡- እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ብልጫታት ከምቲ ዝድለ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኣለና ዶ?

ኣብራር፡- መጀመርያ ንሕና ኣብ ዝተፈራረሰ፡ ዘይውሁድ ኮምኒቲ ስለንነበር ንባዕሉ ሞያና ቅቡል ኣይኮነን። ካበይ መጺእና ናበይ ንኸይድ’ዩ ዝሕተት’ምበር፡ ንሕና ነቕርቦ እጃም ኣይሕተትን’ዩ። ንኣብነት ትማሊ ‘መን’ዩ ኣምጺእዎም ዝብል ዘረባ ካብቶም ዘምሰዩ ሕቶታት’ዩ’። ንዓይ ሓቂ ይሓይሽ ኣይገርመንን’ዩ ብነዊሕ ግድል ስለዝመጻእኩ። ከምኡ ኢሉ ዝቕጽል ነገር ከምዘየለ ውን ይኣምን’የ። ለይቲ ትኹን’ምበር ዘይትወግሕ የላን። ናይ ኤርትራ ምዃነይ’የ ዝኣምን። ኤርትራዊ ምዃነይ’የ ዝኣምን። ሓለፍኦም ኣይትብጻሓኒ ሓለፋይ ኣይትብጽሖም።

ስለዚ ነቲ ዝሃቡኒ’የ ዝመልስ ዘለኹ’ምበር ናይ ባዕለይ ኣየምጻእኩን። ፖለቲካዊ ህይወት ናይ ውድባት ወይ ናይ ገለ ሒዘ ኣይኮንኩን ዝመጽእ ዘለኹ። ናይ ባዕለይ መልእኽቲ ኣለኒ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓድነቱ፡ ያትኡ፡ መንነቱ ጸኒዑ ክነብር። ኣብ ታሪኽ ዘለዎ ተጻዋርነት ከዐሙቕ። ምስ ንፋስ ከይጓዓዝ። መሰታ ትማሊ’ምበር መሰታ ሎሚ ከምዘይኮነ (ክሕብር)። ከምኡ እንተዘይከውን እዚ ሃገር’ዚ ኣይምጸንሐን። ያታ ኣይምሃለዎን፡ ክብሪ፡ ፍቕሪ ኣይምሃለዎን። እዚ ሎሚ ዝርእይዎ ንፋስ ምናልባት ካልእ’ዩ። ናይ ሎሚ ንፋስ ድማ ኣዝዩ እኩይ ንፋስ ምዃኑ ክርድኡ ኣለዎም። እዚ ስነ-ጥበብ ድማ ህዝቢ ኣብ ኩሉ እንተዘይመኺሩ ኣብ ሸቱኡ ክበጽሕ ኣይክእልን’ዩ። እዚ እንተዘይብሉ ጓይላ ኣይዕምርን’ዩ። ንሕና ብምርኢትና ብዙሕ ግዜ ነርእዮ ኢና። ፖለቲከኛታት ግን ጌና ኣይበጽሕዎን። ተስፋ ንገብር ከኣ ክበጽሕዎ። ስነ-ጥበባውያን ዓቃላት፡ ለባማት እንተኮይኖም፡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ክበጽሕዎ’ዮም። ኣብ ክንዲ ንኩሉ ሃንጎፋይ ኢልካ ብውዳስ ምጥቓዕ፡ ምስ ህዝቢ ተራኺብካ፡ ካብ ህዝቢ ተማሂርካ፡ ስምዒት ናይቲ ህዝቢ ክትነግሮም’ዩ ዝግባእ። ናትና ስምዒት ክንውስኸሉ ኣየድልን’ዩ። ምስ ሕሙም ዝውዕል ቃንዛ ክፈልጥ ግድን’ዩ።

መፍትሕ፡- ክሳብ ሕጂ ኣብ ክንደይ ሃገራት ዑደት ጌርካ ኣለኻ?

ኣብራር፡- ብዙሕ ግዜ ኣብ ስራሕ ትሑዝ’ዩ። ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ሰሙን’የ ዝሰርሕ። ብዙሕ ንምንቅስቓስ ኣይጥዕመንን’ዩ። ህዝባዊ በዓላት ክህሉ ከሎ ግን ይንቀሳቐስ’የ።

መፍትሕ፡- ስለዚ ህይወትካ ብሞያ ስነ-ጥበብ ጥራሕ ኣይኮንካን ትመርሕ ማለት’ዩ . . .?

ኣብራር፡- ብርግጽ ኣብ መጀመርታ ናብ ኤውሮጳ ክመጽእ ከለኹ እቲ ዕላማ ከምኡ’ዩ ኔሩ። ህዝብና ኣብ ዘለዎ፡ ትንኣስ ትዕበ ነዚ ሞያ’ዚ ክሰርሕ’የ ናብ ኤውሮጳ ተሰዲደ። ብጥሜት ተሰዲደ ኣይፈልጥን’የ። ግን መሰናኽላት ምስ ኣጋጠመ ናብ ካልእ ህይወት ኣምሪሑ። እቶም መሰናኽላት ዝፈጠሩ (ኣካላት) ጠጠው ዘበሉና ይመስሎም ይኸውን፡ ግን ጠጠው ዝበለ ነገር የለን። ስራሕ ኣዝዩ ጠቓሚን የኽብረካን ብምዃኑ ብምስርሐይ ብልቢ ሕጉስ’የ። መሳርያ ወይ ናውቲ ፖለቲከኛታት ክኸውን ብዘይምብቅዐይ፣ ‘እዚ ናትና’ዩ እቲ ናይቲኦም’ዩ’ እናበልካ ፈቖዶ ምርኢት ምዕንቃፍ ኔሩ። ከም ኤርትራዊ ናይ ስነ-ጥበብ ሰብ ዋላ’ኳ ሃንጎፋይ ኢሎም ዝቕበሉና እንተነበሩ ሓይሊ ኣይነበሮምን፡ ድላዮም ከኣ ክረኽቡ ኣይጸንሑን። በዚ ምኽንያት ከይንጠሚ ፈሪሕና ኣይኮናን። እቲ ምርጫ ከምኡ እንተኮይኑ፡ ከይትዕገት ካልእ መንገዲ ከተናዲ ናይ ግድን’ዩ። ንስኻ ናይ ብሕቲ ዋንነት ናይቶም ዘስርሑኻ፡ ህይወትካ ኣብኦም ዝምርኮስ ዝመስሎም ከምዘይከውን ከረድእ’የ ነዚ ሞያ ዝሰርሖ ዘለኹ።

መፍትሕ፡- ስለዚ ኪኖ ገንዘብ ዝኸይድ ንምምዕባል ስነ-ጥበብ ዘተኮረ ዕላማ ኢኻ ሒዝካ ትኸይድ ዘለኻ?

ኣብራር፡- ቀላዓለም ዘይብሉ፡ ንሱ ኔሩ እንተዘኸው ሞ ብኩሉ መዳይ ኣብዚ ጉዳይ ብልበይ ኣይምኣተኹን። ስነ-ጥበብ መስትያት ናይ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን። ንፍቕርን ሰላምን ፍትሕን ናይ ህይወት መሳልል ኣቕሪቡ ዘርኢ መስትያት ምዃኑ’የ ዝኣምን። ብስምዒተይ የ ዝሰርሕ። እንተረኸብኩ ንሞያዊ ወጻኢታተይ ዝሕግዝ’ምበር ክሳብ ግዚኡ ዘፍቅዶ ንከምኡ ዕላማ ዝሰርሕ ኣይኮንኩን።

መፍትሕ፡- ምስጢር ዕቤትካ ንሱ ዶ ክኸውን ይኽእል?

ኣብራር፡- ተስፋ ይገብር ንሱ ክኸውን። ንምንታይሲ ካብ ልቢ ናብ ልቢ መልእኽቲ ኣለዎ። ‘እምንቶኻ ኣሚነ ፍቕርኻ ተቐኒተ፡ ናትካ’የ ህዝቢ ናትኪ’የ ኤርትራ’የ’ ዝብል። ርትዒ ንዘለዎ፡ ንማንም ዝርታዕ’የ። ርትዒ ንዘይብሉ ክርታዕ ኣይተፈጠርኩን። ኣካልካ ክኸውን ርትዓኒ። ዘዕግበኒ፡ ዘየዕግበኒ ነገር ሃሰውሰው ክብል የብለይን። ንዓይ ህዝቢ’ዩ ዘዕግበኒ። ምስጢሩ’ዚ’ዩ። ህዝቢ ዝጽበዮ፡ ጽባሕ ድማ የሻቕለኒ። ፍቕሪ ሞይቱ ኮንቱ ኣይከውንን’ዩ።

መፍትሕ፡- ስነ-ጥበባውያና ብዓይኒ ገንዘብ ክረብሑ ይኽእሉ’ዮም ዶ ንብል? ንስኻ ነብስኻ ከመይ ትግምግማ?

ኣብራር፡- ኣነ ብነብሰይ ዝረባሕክዎ ነገር ኣሎ እንተኢለካ ክሕሱ’የ። ኣነ ኣብ ስራሕ ዓለም ክኣቱ ከለኹ ብማእገር ተሰኪመ ክሰርሕ ከምዝኽእል ኣብ ዝኣመንክሉ ግዜ ንዝኾነ ድኽመታተይ ክሽፍን ከምዝኽእል ስለዝኣመንኩ’የ። ጎድናዊ ጥራሕ ኣይኮነን። ገዛ ክራይ ጥራሕ ክትከፍለሉ ኣይኮነን። ክትሰርሕ እንተኪእልካ ምስኡ ብዙሕ ነገር ከተማልኦ ትኽእል ስለዘሎ፡ ሞያይ ከኣ ንከይቆርር ካብቶም ዘሙቑኒ ነገራት ምዃኑ ስለዝኣመንኩ’የ።

መፍትሕ፡- ብዛዕባ መሰል ኣሕታሚ (ኮፒ ራይት) ዘለካ ኣረኣእያ ዶ ምገለጽካለይ?

ኣብራር፡- ብዛዕባ ኮፒ ራይት ክሓስብ ግዜ ኣይረኸብኩን’የ ዝብል። ጌና እዋኑ ኣይበጽሐን’የ ዝብል። ካብኡ ዝናኣሰ ኤለመንታሪ ነገራት ኣይተገብረን። ንናትካ ሞያውያን ዝግባእ ኣመላኻኽታ ክህልወካ፡ ጻዕሮም ክትፈልጥ፣ ከምኡ ኣይተራእየን፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ውን ዝርአ ኣይመስለንን። ብዝኾነ ንህዝብና ናብዚ ደረጃ ኣተሓሳስባ ከነምጽኦ ኩላህና ክንጽዕር ኣለና። ካብኡ ሓሊፉ ግን ኣብ ዘየለ ባይታ ዝትግበር የለን። ንስምዒትና ብዘይምትሕስሳብ ብፍቕሪ ክንሰርሕ ጥራሕ’ዩ ዘዋጽእ። ምትሕስሳብ ዘድልዮ መድረኽ ኣይኮነን።

መፍትሕ፡- ግን ዓቕሚ ስነ-ጥበባውያና የዳኽም ስለዘሎ ነዞም መሰል ኣሕታሚ ዘይሕልዉ ሰባት እንታይ ዓይነት ምኽሪ ምሃብካዮም?

ኣብራር፡- ናይ ሕልና ሕቶ’ዩ። ኣብዚ ምዕራባዊ ዓለም ዝነብር ሰብ ነዚ ህይወት’ዚ ዘይርዳእ ሰብ የለን። ግን ኩሉ እቲ ዝግበር ምቕዳሕ ካብ ናይ ክፋእ ድሌት ከምዘይኮነ በቲ ሓደ ሸነኽ ይርድኣኒ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ምስ ድምጺ መሰልና ደሊና ቃለ-መጠይቕ ጌረ ኔረ፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ሓቲቶምኒ ኔሮም። ሓደ ንሕና ኣብ ስደት ኣብ ዘየለናዮ ቦታ የለን። ናይ ምዝርጋሕ ዓቕምና ድማ ውሱን፡ ዘይጥርኑፍ ስለዝኾነ፡ ዘይውዱብ ስለዝኾነ ዘይበጽሖም ዝበዝሑ’ዮም። ስለዚ ነቲ ዝፈትዎ ቀዲሑ ነቲ ኮፒ ናብ ካልኦት ክሰዶ ይርአ። ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ከምኡ ዓይነት ምልግጋስ ኣሎ። ብሓደ ሸነኽ ኣስተዋጽኦ ስነ-ጥበባውያን ኣብ ሓደ ሸነኽ ጥራሕ ተደሪቱ ንከይተርፍ ዝሕግዝ ስለዝኾነ ነቶም ዓቕሊ-ጽበት ዘለዎም ተመንዮም ከምኡ ዝገብሩ ይርድኣኒ’ዩ። ኮነ ኢሎም ዘባኽኑ እንተለዉ ግን እቲ ተዕንውዎ ዘለኹም ባህልኹም ምዃኑ ክትፈልጡ ኣለኩም። ዋጋ መንነትኩምን ባህልኹም እንተትርድኡ ዝሓሸ’ዩ ይብል።

መፍትሕ፡- ግጥሚ ወይ ዜማ ከተውጽእ ከለኻ፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ብዝያዳ እቲ ዋሕዚ ይመጻልካ?

ኣብራር፡- ኣብ ናተይ ኩነታት ኣብዚ ክብለካ ኣይክእልን። ኣብ ሕማቕን ጽቡቕን ይመጽእ። እታ ህሞትና ብመንፈስ ምስ ሃገር ስለንነብር ሓደ መዓልቲ ጽቡቕ ተሰሚዕኒ ኢለ ክኣምን የሸግረኒ። ምናልባት ተኸዲነ ንዝራኣየኒ ከምኡ ይመስሎ ይኸውን። ግን እቲ ልብና ዝነግሮ ኢና ንነብር። እታ ጭንቀትን ህይወትን ድማ ኩሉ ግዜ ናታ ቦታ ኣለዋ ብከምኡ’የ ከኣ ግጥሚ ዝፈጥር። ምቹእ ነገር ተሰሚዕኒ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ህይወትና ከምኡ የለን። ተስፋ ይገብር ብሕጂ ክመጽእ። ስነ-ጥበብ መኣዝኑ ንረኽበሉ ቦታ ይህሉ ይኸውን።

መፍትሕ፡- እንታይ ዓይነት ናይ ሙዚቃ መሳርያ ትጻወት?

ኣብራር፡- እቲ ምጽዋት ብትርጉም ናይ ሙዚቃ ካልእ ስለዝኾነ፡ ይኽእል’የ ክብለካ ኣይደፍርን’የ። ብዝኾነ ግን ንመትሓዚ ዜማታት ዝፈታትኖ መሳርያታት ኣሎ። ክራር፡ ጊታር።

መፍትሕ፡- ብክንደይ ቋንቋታት ትደርፍ? ክንደይ ቋንቋታት ከ ትዛረብ?

ኣብራር፡- መቸም ክሳብ ሕጂ ብሰለስተ ቋንቋታት’የ ዝደርፍ። ኣብ ማልቲካልቸራል ሕብረተሰብ ስለንነብር እቲ መልክዕ ሃገራዊ ባህልና ድማ ኩሎም ኤርትራውያን ክስቆሮም ስለዘለዎ፡ ግርማና ዋላ ዓቕሚ እንተዘይብለይ ነቶም ዝመጽኡ ሰባት ብልቢ ከሐጉሶም’የ ዝፍትን። ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ብዝተኻእለ መጠን ዓቕሚ እንተዘይሃለወኒ ክገጥሞን ክደርፎን ይፍትን’የ። ሳሆ፡ ትግርኛ፡ ትግረ ይደርፍን ይዛረብን። ብዛዕብኡ ቆርጠምጠም ክብል ይኽእል’የ።

መፍትሕ፡- ጀርመን፡ ዓረብ ከ?

ኣብራር፡- ኖእ፡ ኣይፋለይን። ክትደርፎ ጽቡቕ’ዩ ዝያዳ ሃብቲ። ንካልኦት ሕብረተሰብ ኮምኒከይት ዝገብር ሃብታም’ዩ። እቲ ምድራፍ ቀሊል ኣይኮነን፡ እቲ ካልኦት ዘየማዕድውዎ ምምዕዳው ዓቢ ነገር’ዩ። ሰብ ምስ ልቢ ሰብ ምርኻብ ቀሊል’ዩ፡ ምናልባት ንገለ ስነ-ጥበባውያን ከምኡ ኣይርድኦምን፡ ንዓይ ግን ከምኡ’ዩ ዝርድኣኒ ምስታ ሃገር፡ መሬት፡ ባህሪ፡ ህይወት ዝራዳዳእ ዘለኹ ኮይኑ’ዩ ዝስማዓኒ።

መፍትሕ፡- ኣብ ህይወትካ ትሕበነሉ ወይ ትጣዓሰሉ ነገር እንታይ ኣሎ?

ኣብራር፡- ዝሕጎሰሉ ነገር፡ ኣካል ናይዚ ህዝቢ ኮይነ ኣብ ስነ-ጥበብ ነዚ ህዝቢ’ዚ ክገልጾን ክፍቅሮን ካብቲ ዘሐብነኒ ነገር’ዩ። ንኩሉን ካብ ኩሉን ምዃነይ ብጣዕሚ የሐብነኒ። ዝሓልሞን ዝሓስቦን ንሱ’ዩ።

ንዓይ ዘጣዕሰኒ ነገር እንተሎ ህይወት ቤት ትምህርቲ ምዃኑ ይርድኣኒ’ዩ። ዋላ እቲ ሓሲብካ ዝኣተኻዮ ከምቲ ዝሓሰብካዮ ኣይጸንሓካን’ዩ። ኣብ ህይወት እቶም ቤት ትምህርቲ ዝባሃሉ እቲ ኣወንታን ኣሉታን’ዩ። ስለዚ ካብዞም ክልተ ተርእዮታት ክማሃር ይኽእል’የ ይብል። ካብ ዘሎ ዝመጽእ ይበዝሕ ስለዝብል። ዝተበደለ ነገር እንተሎ ብወገነይ ዝፈልጦ የብለይን፡ ኣነ ግን ካብ መዓልታዊ ስጉምተይ ክመሃር ከምዘለኒ’የ ዝኣምን። ዘጣዕስ ዘሎ ኣይመስለንን። ዝኾነ ይኹን ጉድለት ድማ ኣካል ናይቶም ዝኣምነሎም ስለዝኾንኩ፡ መስትያተይ ንስኻን ኩሉኹምን ስለዝኾንኩም እቲ ዝወሃበኒ ምኽሪ ብኣኽብሮት እናተቐበልክዎ’የ ዝኸይድ።

መፍትሕ፡- ካብ ሰማዕቲ እንታይ ዓይነት ግብረ-መልሲ ትረክብ?

ኣብራር፡- ብሓቂ ምቕሉላት፡ ሕያዎት፡ ለባማት ሰባት የጋጥሙኒ። ኣብቲ ሞያ ብቑዕ’የ ዝብል ተሪር መርገጺ የብለይን። ከም ኩሉ ኣብ ህይወት ተማሃራይ ምዃነይ’የ ዝኣምን። እዞም ነዚ ዝርድኡ ሰባት ዝመጽኡኒ ድማ ዋላ ዝራኣይዎ ጌጋ ይሃሉ ንምትብብዐይ ይርእዩ ይኾኑ ኩሉ ግዜ የተባብዑኒ። ‘ንምንታይ ደንጒኻ’ ንምንታይ ሲዲ ዘይተሕትም ይብሉኒ። ኣነ ይቃለስ ኣለኹ ይብል።

መፍትሕ፡- መጻኢ መደባትካ እንታይ’ዩ?

ኣብራር፡- ኣብዛ ሞያ ምቕጻል’ዩ። እንተተኻኢሉ ምዕባይ፡ ምምሃር፡ ምውሳኽ’ዩ። ንባዕሉ ንጥፈት መምህር’ዩ። እቲ ቲዮሪ (ክልሰ-ሓሳብ) ካብቲ ንጥፈት ስለዝወጽእ፡ ይሰርሓሉ ኣለኹ ካብኡ ከኣ ክመሃር’የ። እቲ ሎሚ ዝራኣየኒ ጽባሕ ብከምዚ ከምዘይርእየኒ ክፈልጥ ኣለዎ።

መፍትሕ፡- መዓስ’ያ ትቕጽል ኣልቡምካ ክትወጽእ?

ኣብራር፡- ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክትኮነለይ ይጽበ ኣለኹ። ክሉ ግዜ ናይ ሓባር ስራሕ ስለዝኣመንኩ፣ እቶም መሳርሕቲ ድማ ጥርኑፍ ህይወት ስለዘየለ፣ ከም ሓደ ባንድ ከም ሰባት ኣብ ፋሕ ዝበለ ቦታ ስለንርከብ፡ እቲ ንደልዮ ነገራት ብቀሊሉ ኣይነተግብሮን ኢና። እቲ ብኣይ ዝውዳእ ኩሉ ግዜ ኣብኡ ስለዘለኹ ጸገም ኣይኮነን። ብዓቕመይ ንእሽተይ እናማዕራረኹ ይኸይድ ኣለኹ። ኣብ ዘይትኽእሉ ምምጥጣር ካብቲ ሞያኻ ዓቕምን ግዜን ስለዝሰርቁ፡ ኣብ ሓደ ሸነኽ ድኽመት ስለዝፈጥር ነቶም ዝኽእሉ ሰባት መማህራን ክኾኑ ኣለዎም ዝብሎ ስለዘቕልብ፡ ንሳቶም ከኣ ምስ ኩነታቶም ስለዘይሰማማዕ ክሰልጥ ኣይክኣለን። ተስፋ ይገብር ሕጂ በዚ ኮይኑ በቲ ክሰልጥ።

መፍትሕ፡- ተመርዒኻ ዶ? ክንደይ ቆልዑ ኣለውኻ?

ኣብራር፡- ክልተ ቆልዑ ኣለውኒ። ምዉቕ’የ።

መፍትሕ፡- ሞያኻ ክወርሱ ይደናደኑ ዶ?

ኣብራር፡- ብርግጽ ካብዚ ሞያ’ዚ ዝፍጠር ቆልዓ ናብኡ ገጹ’ዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ተተባብዖ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብዙሕ ጸገማት የጋጥመካ’ዩ። እቲ ወሳኒ ግን ምርጭኡ ስለዝኾነ ኣብቲ ንሱ ዝሓሸ ዝብሎ ክኣቱ’የ ዝምነ።

መፍትሕ፡- ንስኻ ኸ ኣብቲ ሞያ ክኣትዉ ትደልዮም ዶ?

ኣብራር፡- ናይ ባዕሉ ተበግሶ ዘይብሉ ነገር ኣይዓብን’ዩ። ስለዚ ንሱ ብነብሰ-ምትእምማን ክብገስ ኣለዎ። ኣቦኡ ኣብዚ ሞያ’ዚ ስለዝሰርሕ  ናይዚ ሞያ’ዚ ሰብ ክኸውን ኣለዎ ኣይብልን’የ። ተፈጥሮ ከምኡ ኣይብልን’ዩ። በበይኑ’ዩ። እዘን ሓሙሽተ ኣጻብዕትና በበይነን’የን። እንተድኣ ብተፈጥሮ ህያብ ኣለዎ ኮይኑ፡ ዋላ ከልኪለዮ ውን ስለዘይክልከል፡ ክዓቢ ምዃኑ’የ ዝኣምን።

መፍትሕ፡- ክትብሎ ትደሊ?

ኣብራር፡- የቐንየለይ፡ ክብረት ይሃበለይ። ሞያና ሓደ’ዩ። ኣብ ሓደ ምዕራፍ ኣብ ሓደ ባይታ ስለዝኾነ። ኣብ ምርኢት መጺእካ ሓውኻን ብጻይካን ኣተባቢዕካ ፡ ብጣዕሚ ዓቢ ክብሪ ይስማዓኒ። ከምዚ ዘለኻዮ ክትቅጽል ኩሉ ግዜ ምኽሪ ዘድልዮ ስራሕ ስለዝኾነ፡ ኣብ ተሞክሮ ከምዝተማህርናዮ 99 ካብ 100 ዘራኽበና ነጥቢ ገዲፍና ኣብ ሓንቲ ነጥቢ ኮለል ንብል ስለዝኾና ኩሉ ተሪፉ ኣብ ዝዓበየ ህይወታዊ ነገራት ተራኺብካ ነተን 99 ነጥቢ ዘራኽበኻ ምልማዕ ይሓይሽ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ከምዘለና ክትሕብረለይ እፈቱ። ብውህደት ንስኹምን ንሕናን ካልኦት ስነ-ጥበባውያን ክሰርሑ የተባብዖም። ሓው ሃብቶምን (ድምጻዊ) ሓው ኢፍሬምን (ሙዚቀኛ) ከመስግኖም ይፈቱ። ንኩሎም ኣብ ካናዳ ዝነብሩ ኤርትራውያን ምስጋናይ ኣብጽሓለይ። ብዘይምትብባዕኩም ዝዓቢ ነገር ስለዘየለ፡ ኣብ ሕማቕን ጽቡቕን ከተተባብዑና ደስ ይብለኒ። ሕማቕ እንተዘይኣሪምካዮ ኣይዓብን’ዩ። እንተዘይህሉ ግን ሕማቕ ኣይምበልናዮን። ስለዚ ኩሉ ግዜ ኣብ ጎድንና ክንርእየኩም ተስፋ ይገብር።

የቐንየልና!

Written by Aaron Berhane

Sunday, 08 March 2009

Visit Source Website Meftih