ኣብቲ ብ 16 ሰነ 2013 ካብ ሸፊልድ,ማንችስተር,ሊድስ,ኖቲንግሃም ዝመጹ ኣካየድቲ ኣካላት ኮሚኒቲታት  ኣብ ከተማ ሸፊልድ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ናይ ሎምዘበን ካብ 13-14 ሓምለ 2013 ብደረጃ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝካየድ ፈስቲቫል፡ ተራ ኩለን ከተማታት ኣብቲ ፈስቲቫል ንምድማቕ ተታሒዙ ንዘሎ መደባት ብዝርዝር ድሕሪ ምዝታይ ንፍስወከፍ ከተማ 6 ዛኣባላታ ሽማግለ ሓይሊ ዕማም ፈስቲቫል ዓባይ ብሪጣንያ ኣቑመን::
ብተመሳሳሊ ብ 15 ሰነ 2013 ከተማታት በርሚንግሃምን ኮቨንትሪን, ኣብ በርሚንግሃም ብምርካብ ነፍስ ወከፈን 6 ዝኣባላታ ሽማግለ ሓይሊ ዕማም ፈስቲቫል ከምዘቖማ ካብቲ ቦታ ዝበፅሓና ዜና ይሕብር።
ኣብ ክልቲኡ ኣብ ዝተካይደ ርክብ,ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ኮሙኒቲ ሓላፈነት’ዩ ፡ብማለት ንምዕዋት ፈስቲቫል ዓባይ ብሪጣንያ ብልዑል ሃገራዊ ወኒ መሪሕ ተራ ከበርክቱ ተሰማሚዕም።