ብምኽንያት  እቲ  ኣብ ደሴት ላምፓዶሳ  ዘጋጠመ  ናይ  ኣሕዋትን  ኣሓትን  ባሕረ- ህልቂት፣  ተቐማጦ  ሸፊልድን  ከባቢኣን  ዓዲ  እንግሊዝ  ዝተሰማዓና  መሪር ሓዘንን ስንባደን ንኹሉን ምስ ኩሉን ኤርትራዊ ድምጽና ክንሕውስ ዜጋዊ ግዴታ ኣሎና። ከም ዝመስለና እዚ ወደቓ’ዚ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ሃገራዊ ከቢድ ጓሂን ትካዘን ዘስገደደ ዘሕዝን ሓደጋ ኢዩ።

ክንዲ  ዝኾነ  ድማ  ኣባላት  ኮምዩኒት  ኤርትራውያን  ሳውዝ  ዮርክሼር  (ዓዲ  እንግሊዝ) ንኹሎም’ቶም በዚ ወሪዱ ዘሎ ኣበሳ ብቐረባ ዝተተንከፉ ማለት ቤተሰብን ኣዝማድን ፈለጥትን
እቶም ኣብ ባሕሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ መንእሰያት፣ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

ዓወት ንሓፋሽ!!