ዶ/ር ኤፍረም ተኽለ
(5 ጥቅምቲ 1956 – 11 ሕዳር 2013)
ዶ/ር ኤፍረም ተኽለ ብ5 ጥቅምቲ 1956፡ ካብ ኣቦኡ ነፍስሄር ኣቶ ተኽለ ዑቑባዮሃንስ ማሉን ፡ ኣዲኡ ወ/ሮ ይሕደጋ ገብረስላሴ ወልደትንሳኤን ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ኢትዮጵያ ተወሊዱ።
ፍቓድ ፈጣሪ ዀይኑ ፡ ንስራሕ ምስ ወጸ ከይተመልሰ ፡ ብሃንደበታዊ ሕማም ብ11 ሕዳር ፡ 2013፡ ኣብ ቤት- ሳይዳ ፡ ሜሪላንድ ዓሪፉ።
ኤርትራውያን ፡ ጽምዋ ሓበሬታ ከይብሕተና፡ ንዳርጋ ዕስራ ዓመታት ደምበ ሓበሬታ ደሃይ ከየጸመወትን ከየባተኸትን ንኽትቅጽል፡ “ከቢዱኒ፡ ረብሪበ፡
ኣብርዩኒ” ዝብላ ቓላት ከይወጽአኦ ፡ ስጋብ ዕለተ-ዕርፍቱ ከቢድ ሓላፍነት ጸይሩ ኣሐንቂቑና። ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ኤርትራዊ ፡ ብዛዕባ
ሃገሩን ኩነታቱን እዋናዊ ሓበሬታ ክሰንቕን ፡ ምእንቲ ሃገሩ ክሕለቕን ፡ ክምክትን ዘኽእሎ መድረኽ ዝመድመደን ዘጣጥሐን ጻዕረኛ ዜጋ’ዩ። ድሃይ
ዝኣክል ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝሳተፍሉ መኣዲ ሰሪዑ ዓንጊሉና። በዚ ንማይ-ቤት ደሃይ ዝጾረ ፡ ነቕ ዘይብል ዓንዲ ማእከልን ጸዋር ገመልን ነይሩ።
በቲ ኻልእ፡ ኤፍረም ፡ ለይቲ ይኹን ቀትሪ ተኣማሚንካ ክትድገፈሉ ትኽእል ጽኑዕ ጸግዒ’ዩ ነይሩ።
ፈነዉ ሬድዮ ኣዳል ንምስማዕ ኣብዚ ጠዉቑ
Got something to say? Go for it!