ሓርበኛ ሜ /ጀነራል ኣሕመድ ዑመር መሓመድ ካካይ ብዝሓዶሮ ሕማም ኣብ ዉሽጥን ወጻእን ሕክምናዊ ክንክእን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሓ ኹነታት ጥዕንኡ ክመሓየሽ ብዘይ ምክኣሉ ብቀዳም 14 ለካቲት 2015 ኣብ ሆስፒታል ሱዳን ድሕሪ ምስዉኡ ስነ ስርዓት ቀብሩ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፎርቂ ላዕለዋት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ላዕለዋት ሰበስልጣን መንግስትን መራሕቲ ሃይማኖት ንስድራ ቤቱን ሕዝብን ኣብ ዝተረከቡሉ ሮቡዕ 18 ለካቲት 2015 ስዓት  10:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ መካነ መቃብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ታሪኽ ሕይወት ሓርበኛ ሜ/ጀነራል ኣሕመድ ዑመር መሓመድ ካካይ  ብሓለቃ ጠቅላሊ ስታኣፍ ሓይልታት ምክልካል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጳስ ወልደየዉሃንስ ተነቢቡ።

ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፎርቂን ላዕለዋት ሰበስልጣን መንግስት ስድራ ቤቱን ኣብ መቃብሩ ድማ ዕንበባ ኣምቢሮም ሜ/ጀነራል ኣሕመድ  ካካይ

ብዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቆልዓን ነይሩ::

መንግስቲ ኤርትራ መሪር ሓዘኑ ብምግላጽ ንስድራቤቱን ፈተዉቱን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል::

ሙሉ ታሪክ ሕይወቱን ስነ ስርዓት ቀብሩን ትሕትኢሉ ተዳሊልኩም ዘሎ ቪድዬ ተዓዘቡ።