ኣብቲ ብቀዳም 14 ለካቲት 2015 ኣብ ዓ/ብርጣንያ ከተማ በርሚንግሃም ንመበል 25 ዓመት ቡሩራዊ እዮቤልዮ ስርሒት ፈንቅል ንምጽንባል ዝተካየደ መደብ ሓያሎ ህጻናት መንእሰያትን ወለድን ዝተረክብሉ ኣጋጣሚ : ቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ኣየርላንድን ኣቶ ሳልሕ ዓብደላ ንሓያልነትን ጽንኩርነት ምሕራር ከተማ ባጽዕ ዝተከፉለ መስዋእትን ብምጥቃስ : መልእክቲ መበል 25 ዓመት ቡሩራዊ እዮቤልዮ ስርሒት ፈንቅል ዘመሓላልፎ መልእክቲ ነዛ ብከቢድ መስዋእቲ ዝመጸት ኤርትራ ሓድነትካ ብምድልዳል ንኩሉ ተጻብኦታት እና መከትካ ኣብ ኩሉ ህንጸትን ድሕነት ሃገር መሪሕ ተራ ምብርካትዩ ኢሉ።

ብድሕሪዚ ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ በርሚንግሃም ነቲ ዕለት ዘንጸባርቅ ግጥምታት ብምቅራብ ካብ ለንደን ብዝመጸት ድምጻዊ ሓይልኣብ /ሰላሊዓ/ ብዝርከባ ጉጀለ ባህሊ ኽዘናግዑ ኣምስዬም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓላፊ ህዝባዊ ጉዳያት ኣብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ዓባይ ብርጣንያ ኣየርላንድን ኣቶ ሙሉብሃን በርሀ ተረኪቡ ምንባሩ ዝመጸና ሓበሬታ የረድእ።