ኩቡር ኣምባሳደር እስቲፎናስ ሃብተማርያም ወረቀት ስርሑ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ዓብርጣንያ ኣረኪቡ ኣብ’ቲ ብ17 ለካቲት 2015  ኣብ ከተማ ለንደን ባንኪግሃም ፓላስ ዝተካየደ ስነ ስርዓት ምርካብ  ወረቀት ስራሕ: ንግስቲ ኤልሳቤጥ መንግስታ ምስ ኤርትራ ብቀረባ ክሰርሕ ድልየት ከም ዘሎ ገሊጻን ንኩቡር ኣምባሳደር እስቲፎናስ ሃብተማርያም ድማ ሰናይ ናይ ስራሕ ግዜ ክኮኖሉ ተመንያ።

ኩቡር ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራሕቱ ናይ ስራሕ ግዚኡ ፈጺሙ ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2014 ከም ዝተፋነወ ዝዝከር ኮይኑ ኩቡር ኣምባሳደር እስቲፎናስ ሃብተማርያም ሓድሽ  ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን ብምዃን;ዩ ተመዲቡ ዘሎ።

ኣብ’ቲ ብ17 ለካቲት 2015  ኣብ ከተማ ለንደን ባንኪግሃም ፓላስ ዝተካየደ ስነ ስርዓት ምርካብ  ወረቀት ስራሕ ኩቡር ኣምባሳደር እስቲፎናስ “ንግስቲ ኤልሳቤጥ”ካለኤይቲ  ላዕለዋት ሓለፋቲ ኢንባሲ  ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን ተረኪቦም ምንባሮም ዝረኸብናዬ ሓበሬታ የረድእ።

[audio http://www.sheffieldlive.org/mp3/201502221100101.mp3%5D