ንኡስ ጨንፈር ሃማደኤ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ብሰንበት 8 መጋቢት 2015 ሓያሎ ደቂ ኣንስትዬ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ሕጻናት, ወለድን ዕድመ ዝተብረሎም ኣጋይሽን ኣብ ተረከቡሉ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ኣብ ዝርኸብ ቤት መግቢ ሻምሩኽ ን8 መጋቢት 2015 መዓልቲ ደቂ ኣንስትዬ ብድምቀት ጸንቢለን ኣብቲ ኣጋጣሚ ነቲ ዕለት ዘንጸባርቅ ዝተላለየ መደባት ዝቀረበ ክከዉንሎ ዕዱማት ስጋብ ወጋሕታ ብባህላዉን ዘመናዉን ሙዚቃ ክዘግዑ ኣምስዬም።
በዚ ድማ ጽንብል 8 መጋቢት 2015 ንኡስ ጨንፈር ሃማደኤ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ብዓወት ዛዚሙ።