ንኡስ ጨንፈር ሃማደኤ ከተማ ንይዉካስትልን ከባቢኣን ዓ/ብሪጣኒያ ብሰንበት 8 መጋቢት 2015 ሓያሎ ደቂ ኣንስትዬ ከተማ ንይዉካስትልን ከባቢኣን ሕጻናት፣ ወለድን ዕድመ ዝተብረሎም ኣጋይሽን ፈተዉቲ ህዝቢ ኤርትራ እንግሊዛዊንን ኣብ ተረከቡሉ ኣብ ከተማ ንይዉካስትል ን8 መጋቢት 2015 መዓልቲ ደቂ ኣንስትዬ ብድምቀት ጸንቢለን ኣብቲ ኣጋጣሚ ነቲ ዕለት ዘንጸባርቅ ዝተላለየ ግጥምታትን መደባትን ዝቀረበ ክከዉንሎ ኣደንበር ንኡስ ጨንፈር ሃማደኤ ከተማ ንይዉካስትልን ከባቢኣን ወ/ሮ ኣስቴር መድሃኔ ንተራን ኣበርክቶን ኤርትራዊያን ደቂ ኣንስትዬን ንሓፈሻዊ ንጥፈታታት ንኡስ ጨንፈር ሃማደኤ ከተማ ንይዉካስትልን ከባቢኣን ኣመልኪታ ሰፈሕን ዝርዝራዉን መግለጺ ብምቅራብ ንድምቀት እቲ ዕለት ከይተሓለሉ ዝሰሩሑን ዝሰርሐን ኣመስጊና።

ዕዱማት ድማ ብባህላዉን ዘመናዉን ሙዚቃ ክዘግዑ ኣምስዬም።
በዚ ድማ ጽንብል 8 መጋቢት 2015 ንኡስ ጨንፈር ሃማደኤ ከተማ ንይዉካስትልን ከባቢኣን ብዓወት ዛዚሙ።