መን`የን ንህዝቢ ዓለም ራህዋን ሰላምን ከሊአን እሾክ እናዘርአ ዳር ትርኢት ዘጽግብኦ ዘለዋ? በዓል መን ዲየን እንዳማተን ልኡላውነት ደፊረን ህዝብታት ኣደዳ ሞትን ስቃይን ክከውን ዝፈርዳ ዘለዋ? ብሰንኪ መንዲ`ዩ ህዝቢ ዓለም ኣብታ መዳሕንቱ ዝተቀብረትላ መሬቱ ቀሲኑ ክንዲዝነብር ንክስደድ ዝፈረደ? እቲ ቅኑዕ መልሲ ኣመሪካን ሰዓብታን ክነሰን። ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና ጠቀነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን በንጻር`ዚ ክውንነት`ዩ፡ እዚ ድማ ዘሕምቆ ኣለኒ በትረይ ሃቡኒ ማለት`ዩ።
 

1952 ኣምበሳደር ኣመሪካ ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ጆን ፎስተር ዳላስ መርገጺ ስርዓት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ኣብ መገባእያ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣፉ መሊኡ ከምዚ ክብል መልእክቱ ኣመሓላሊፉ` ኔሩ * ብዓይኒ ፍትሒ ክርአ እንከሎ፡ ድሌትን ኣተሓሳስባን ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት`ኳ እንተኮነ፡ ንነባሪ ስትራተጂካዊ ረብሓ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ጸጥታዊ ድሕነት ቀይሕ ባሕርን፡ ዓለማዊ ምቁጽጻርን ልዑል ረብሓ ኣመሪካ ንምሕላውን፡ ነዛ ሃገር፡ ንኤርትራ ማለቱ`ዩ ምስታ መሓዛና ኢትዮጵያ ክትቁረን ወሲና ኣለና ክብል ኣብቲ እዋን ኣብ ማእከል ኣደራሽ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት መሰል ህዝቢ ኤርትራ በታ መንከማይ በሃሊት ኣመሪካ ክገሃስ እንከሎ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ`ዚ ዘይፍትሓዊ ፖሊሲ ኣመሪካ ተቃውሞ ኣየርኣየን። እኻድኣ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ ርእዩ ከምዘይረኣየ ክከውን`ዩ መሪጹ።
ኣብ60ታት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ ነጻ ኣብ ዝወጻሉ ዝነበራ ግዜ፡ ሃይለስላሴ ብምትብባዕ ኣመሪካ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ጥሒሱ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሃገሩን ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝቆመ ፈደረሽን ኣፍሪሱ፡ ንኤርትራ ብዓመጽ ክጎብጥ እንከሎ፡ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ግዝኣት ኣመሪካ ብውክልና ኢትዮጵያ ክኸውን`ዩ ተወሲኑ። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቆመ ፈደረሽን፡ ቀንዲ ዋሕሱ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ክነሱ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዘውሓሶ ውዕል ፈደረሽን ብምፍራስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዓመጽ እናፈጸመት፡ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንስለ ስትራተጂካዊ ረብሓ ርእሰ ሓያል ኣመሪካ ክብል ንመሰል ኤርትራን ህዝባን`ዩ ክጉዕጽጽ ተራእዩ።
ኣመሪካ ተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ዘይርስዖ ገበናት ምፍጻማውን ካብቲ ኣምበሳደር ኣመሪካ ኣብ ውዱብ ሕቡራት ዝነበረ ጆን ፎስተር ዳላስ ዘቅረቦ መርገጺ ሃገሩ`ዩ ዝብገስ። እዚ ሓደገኛን ዘይቅቡልን ስነሕሳብ ካብ መዝገቦም ክሳብ ዘይተሓከ ድማ ምትንኻላት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ነባሪ ሙኻኑ ፈሊጥና ንኩሉ እንተታት ከም ቀደምና ብትብዓት ክንምክቶ ይግባእ።
ሎሚ ኣብዛ ዓለም ሰላመን ዘሪገን ኣደዳ ዕግርግርን ስቃይን ኮይነን ዘለዋ ሃገራት ማእለያ የብለንን። ብስም ዲሞክራሲ ባህለንን መንነተንን ገዲፈን ናይ እንዳማተን ባህልን መንነትን ክቀድሓ ህርዲግ ዝብላ`ውን ኣይተሳእናን፡ መንግስቲ ኤርትራ ነተን ጎባልል ዓለምና ከፍቱን ከሐጉስን ክብል ምስ ባህልን ድሌትን ህዝቡ ዘይከይድ መንነት ክላበስ ብዘይ ምምራጹ ነተን እንዳማተን ሃብቲ ብነጻ ምጉሕጓሕ ዝለመዳ ሃገራት ምዕራብ ዝብህግኦ ምርጫ ኮይኑ ስለ ዘይተረክበ ኣመሪካን ሰዓብታን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝጸንሐን ተጻባኢ መርገጺ ብምዕባይ ምረትን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ ክቅጽል ሰላምን ምርግጋእን ከይህሉ ዘይተኣደነ ባጀት እናፍሰሳ፡ ነቶም ዕሙክቲ ገንዘብን ቁራስ እንጌራን ምእንቲ ክረክቡ ኣብ ቅድሚ ጓኖት ቀሪቦም መንነትን ክብርን ህዝቦም ዘመራስሑ ዘለዉ፡ ጌጋን ተንኮልን ዝራኢኦም ገዚፍ ምወላ እናሃበት ንጥፍኣትና ዝተዓጥቀት መሪሕ ሃገር ኣመሪካ ክነሳ፡ ሎሚ ኣመሪካ ሕልፊ`ቲ ስለህዝቡ ዝውፈ መሪሕነት ብሙካን ሓላይትን ተጣባቂትን ኤርትራ ኮይና ክትቀርብ በየናይ መለክዒ?፡ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፤ መሰል እምነት፤ መሰል ፕረስን ካልእ ጉዳያትን ዘጠቃለለ ቀጻሊ ክስታት ንኤርትራን ህዝባንከ ስለምንታይ?። ምስ እንብል መኸተ ህዝቢ ንምልሕላሕ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ስዉር ተልእኮ ዝተሓንገጠ`ዩ፡ ስለዚ ነዚ`ውን መንግስቲ ኤርትራን ህዝቡን፡ ብኣጋ ነቂሑ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፈጸምኦ ዓበይቲ ጌጋታት ክደግም ብዘይምርኣዩ ሃገርና እታ እንኮ ሰላማ ዘውሓሰትን ብገዛእ ዓቅማ ሸቶታት ሚለንዩም ዘዐወተት ኣፍሪቃዊት ሃገር እናተባህለት ብዝተፈላለያ ትካላት ናይዚ ሕጂ ዝከሰና ዘሎ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ`ውን ክትነኣድ ጸኒሓ`ያ፡ እሞ`ድኣ ሎሚ እንታይ ዝተለወጠ ነገር ሃልዩ`ዩ ኣይ ወርሒ ኣይ ሰሙን ንጸለመ ክንድዚ ጉያ ጉያ? መንግስቲ ኤርትራ ዝፈጸሞ ጌጋ ስለ ዘሎ ኣይኮነን። ናይ ገዛእ ርእሶም ግጉይ ስትራተጅን ከም ሳዕቤኑ ዝሰዓበ ፍሽለትን ቅልውላውን ዝፈጠሮ ናይ ጭንቀት ውሳነ እዩ።
ኣብ ኤርትራ ምዕሩይ ዝርግሐ ምዕባለ ምእንቲ ክህሉ መንግስቲ ኣብ መላእ ከባቢታት ሃገር ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኣብያተ ትምህርቲ፤ ማእከላት ጥዕና፤ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምዕባይ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን ሓጽብታት፤ መራከቢታት፤ መስመራት መጎዓዝያን፤ ናይ ሕርሻ ቦታታትን ካልእን ኣብ ምውዳድ ለይቲ ምስ መዓልቲ ሰለም ከየበለ ኣብ ከቢድ ስራሕ ተጸሚዱ ይርከብ። ነዚ ንምውዳድ ድማ ገንዘብን ረሃጽ ዜጋታቱን ክጠልብ ንቡር`ዪ ምክንያቱ ከይጸዓርካ ዝመእ ምዕባለ ስለዘየለ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ህዝቡ ባህሊ ዓያይነት ብምዕባይ ካብ ረድኤትን ምጽወታን ብምርሓቅ ክክተሎ ዝጸንሐ ፖሊሲ፡ ብኣመሪካን ሰዓብታን ብኣወንታ ኣይተራእየን። በንጻር እዚ፡ ልምዓት ኤርትራ ንምኹላፍ፡ ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ ዜጋ 2% ንሃገሩ ከይከፍል ምእጋድ፡ ካብ ኣህጉራውያን ባንክታት ለቃሕን ምወላን ከይትረክብ ብምዕጋት ብዙሕ ዕንቅፋት ክፈጥሩን ናይ ጸለመ ስጉምትታት ከዕብዩን ጸኒሖም እዮም። እዚ ይኩን እንበር፡ ኤርትራ ብዝገጠማ ተጻብኦ ከይተሰናበደት ንዝጀመረቶ ጉዕዞ ምዕባለ ብሓያል ናህሪ ንውሽጣዊ ጸጋታታን ህዝባን ወዲባ ብርእሰ ምክኣል ናብ ብሩህ መጻኢ ተማዕዱ ኣላ። እዚ እናኮነ እቲ ሓቂ ሕልፊ ካልኦት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ በጺሕካ ንብዓት ሓርገጽ ምንባዕ ኤርትራ ብጽቡቅ ኣብነት ንካልኦት ኣርኣያ ከይትኸውን ዝፈጠሮ ጭንቀት ካብ ሙኻን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። ስለዚ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ነዚ ወግሐ ጸብሐ ኣብ ልዕሊኡ ዝእለም ሽርሒ ምኳኑ ፈሊጡ ከከም ኣመጻጽኣኡ ከፍሽሎን ከበርዕኖን ይግባእ።
Dozens of buses imported from China $80 million dollars

                                     Buses imported from China $80 million dollars

ኣብዚ ብግጭት ዝሕመስ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኤርትራ ሰላማን ርግኣታን ኣውሒሳ ኣብ ልምዓት ሃገር ተጸሚዳ ዘላ ሃገርያ። እዚ ድማ ውጽኢት ሃገራዊ ቃልሲ ብሓባራዊ መስዋእቲ ዝተኮስኮሰ ሃገራዊ ሓድነትን ስልጡን ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ካልኦት ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝተፈልየ፡ ብልዑል ሃገራዊ ስኒትን ሓድነትን ዝልለ ከም ውጽኢቱ ድማ ዘተኣማምን ውሽጣዊ ጸጥታን ሰላምን ከረጋግጽ ዝበቅዐ ህዝቢ ክነሱ፡ ሰላሙ ንምዝራግ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ከብድን ሕቆን ካብ ዝኮኑ ግዜ በሊዑ`ዩ፡ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰል ዘይክበረላ ሃገር`ያ፡ ክብሉና`ከ በየናይ መንገዲ?። ብርግጽ ግን ከምቲ ንሶም ዝሓልምዎ ዲና? እስከ ኢትዮጵያዊ ምሁር ፕሮፌሶር መስፍን ወልደማርያም ኣብ መንጎ ህዝብን መሪሕነት ኤርትራን ዘሎ ስጥመት ሓድነቱ ማዕረ ክንደይ ሓያልን ኣብነታውን ሙኳኑ ኣብ ትሕቲ ***ኣንገት ሲደፋ ምን ፈሰሰ**ዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፍዎ ንርአ፦
Eritrea: New High School

Eritrea: New High School

ኣብ መፋርቅ ወርሒ መስከረም 2011ይመስለኒ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኒው ዮርክ ነይሩ ኣብቲ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሓደ እስታድዮም ኩሉም ኤርትራውያን ዝተረፈ ሰብ ዘሎ`ውን ኣይመስለንን፡ ኣብቲ ኣዳራሽ ተሓቋቊፎም ናይ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሰሚናር ድሕሪ ምስማዕ ርእይትኦም እናሃቡ ሕትኦም እናሓተቱ ይረዳድኡ ነይሮም ኣዝዮም የቅንኡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ናይ ኢትዮጵያ ማሕበረሰብ ሕውስዋስን ጉራማይለን እዩ፡
መራሒ ንህዝቢ ከይፈርሐ፡ ህዝቢ ድማ ንመራሒኡ ከይፈርሐ ተቀራሪቦም ክረዳድኡ ምክኣሎም ንዓና ካበይ ናበይ ገዲፎሙና ከምዝተጓዕዙ ኣየርእን`ዩ ዝብል ኣሎዶ? እዚ ሓቂ እንተወሓደ ናይ ሎሚ 15 ዓመት ንድሕሪት ተመሊስና ምስ እንርኢ ቀዳመይቲ መጽሄት ሪፖርተር ተሓቲማ ኣብ ዝወጻትሉ ግዜ ኣብ ላዕለዋይ ገበር ናይታ መጽሄት ናይ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ስእሊ እዩ ነይሩ፡ ናይ መለስ ምስሊ ኣይነበረን። እዚ ድማ ፕረሲደንት ኢሰያስ ንህዝቢ ቀረባ ምንባሩ ኢዩ ዘርኢ፡ ብኣንጻሩ መለስ ኣብቲ እዋን ብስቅታ ይዕዘብ ነይሩ፡ ሎሚ ኣብ ጽልኢ ስለዘለና ሓቂ ንርእየሉ ኩነት ካብ ዓይንና ተሰዊሩ ይከውን፡ ንዝኮነ ናይ ሪፖርተር ትሕዝቶ ዝዘከርኩ ኣብ ኒውዮርክ ዝተካየደ ኣኬባ ኤርትራውያን ዘልዓሎ ጉዳይ እዩ። ንምኳኑ ኣብ ኒው ዮርክ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምኒስተር ኣኬባ እንተዝጽውዕ መጀመርያ ክንደይ ዝኣክሉ ሰባት ምተሳተፉ? እንተተሳተፉከ ብዝማዕበለ ኣገባብ ምርድዳእ ምተገብረዶ? ወይሲ ከምቲ ልሙድ ኣብ ፓርላማ ዘሎ ዘይምርድዳእ ምኾነ? ከይተነዓዓቁ መራሕን ህዝብን ተከባቢሮም ብነጻ ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡ ምክኣል ዓቢ ነገር እዩ።? ክብሉ ኣብ ልዕሊ መራሕትናን ህዝብናን ዘለዎም ኣድናቆት ምስህሉው ኩነታት ሃገሮም እናወዳደሩ ገሊጾሞ። ስለዚ እዚ እናኮነ እቲ ሓቂ ንምንታይ ዕላማ`ዩ ዘየለን ዘይተገብረን ጠቀነ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መራሕትን ኤርትራ ዝጋዋሕ ዘሎ? ክንብል ይግባእ። ታሪክ ብተደጋጋሚ ከም ዘረጋገጾ፡ ሓቂ ብዓመጽ ተቀቢሩ ክተርፍ ዝሕሰብ ኣይኮነን፡ ህዝቢ ኤርትራ ማህደር መኸትኡ ካብ ዝመሃሮ ሓቅታት ሓደን ዝዓበየን ይሕጸር ይንዋሕ፡ ይጥዓም ይምረር፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ወሳኒ ጽንዓት መኸተና`ዩ። ግዜን ታሪክን ድማ ነዚ ሓቂ`ዚ ኣብ ምርግጋጽን ምስናድን እጃሞም ክገብሩ እዮም።
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዋሕስ ህላዌና እዩ !
ሰማእታትና ዘንተዕለት ይዘከሩ !
ዓወት ንሓፋሽ !
ተኬኤ ክብሮም !
ስዊዘርላንድ 18/06/2015!