ከም ኣብ ውድቀትካ ምንባር ገይሩ ዘቘጥዓኒ ነገር የብለይን፣ ሓደ ሰብ ሓደ ነገር ፈቲኑ ምስ ፈሸለ። ኣኺሉዎ ብኣኣ ምኒን ክብል ክሰምዖ እንከለኹ ኣይጻወሮን እየ፣ ልክዕ እዩ ሰብ ዓዓቕሙ እዩ ዝገብር፣ ኣብ ውድቀትካ ምንባር ግን ትሕቲ ናይ ዝዀነ ሰብ ዓቕሚ እዩ፣ ንሓደ ሰብ፡ “ዓቕሙ ንሳ ዀይና።” ክትብሎ ፍጹም ኣይከኣልን፣ ኣነ ኸምኡ ኢለ እየ ዝኣምን፣ እዚ እምነት ፍጹም ጌጋ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፣ ኣብ ጕዕዞ ህይወተይ ብዙሕ ደኣ ኣይኹን እምበር።

ዕድለይን ኵነታት ከባቢየይን ዘፍቀዶ ኣፍደገታት ክኸፍት እፍትን እየ፣ ምስቲ ባህ ዝብለኒ ኣካይዳይ ዝቃዶ ዅሉ ብስስዐ እየ ዝጓየየሉ፣ ኣብ ገለኡ እዕወት። ኣብ ገለኡ ኸኣ እፈሽል፣ ውድቀተይ። ዋላ ደኣ ንሓጺር ግዜ ዘሕርቐኒ እንተ ዀነ። እናሰሓቕኩ’የ ሓመደይ ዝነግፍ፣ እቲ ንኽመሃር። ንኽሰርሕ። ገንዘብ ንኽገብርን ክኸስብን ዝፍትኖ ፈተነታት።

ምስ ዓቕመይን ክእለተይን ስለ ዝምርኰስ ናተይ ነገር ገይረ’የ ዝወስዶ፣ ገለኦም ልዕሊ ዓቕመይ ዝዀኑ ንገራት እዮም፣ በዚኦም ጽቡቕ እዩ ዝስመዓኒ፣ ስለምንታይ ክንድኡ ዘይገበርኪ ኢለ’ውን ንነብሰይ ኣይወቕሳን፣ ዓቕማ ንሱ’ዩ ነብሰይ መዓረይ፣ እዚ ዘለዋ ዓቕሚ ገና ንእሽተይ ከም ዘሎ ግን የገንዝባ፣ ዝሓየለኒ ስራሕ ኣብ መስመር ሞያይ ዝርከብ እንተ ዀይኑ። ነብሰይ ከሰልጥን ከም ዘለኒ ኣእሚነ ኽብገስ እፍትን እየ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ናተይ ሕመቕ ዘይኰነ።

ብመንፍዓተይ ዘይቅይሮ ምኽንያታት ዘለዎ ውድቀት እውን የጋጥመኒ እዩ፣ እዚ ኸኣ “ሕመቐይ ኣይኰነን።” ኢለ ኣብ ብውሽጠይ እሓስብ፣ ከም ዝዀነ ሰብ ምሉእ ኣይኰንኩን፣ ናብ ምሉእ ዝቐረበ ሰብ ክኸውን ግን እጽዕር፣ ሓደ ሓደ ግዜ ብልክዕ ብሕመቐይ ዘጋጥሙኒ ውድቀታት ኣለዉ፣ ሰኣን ምስትውዓለይ ኣብሰንኪ ደቃቕ ጌጋ ዝሰራሕኩዎ ዓነውነው ዝብለኒ ግዜ ሎ፣ ኣብዞም ከምዚኦም ዝበሉ ኣጋጣሚታት ብልክዕ እሕርቕ እየ፣ ጌጋ ክርከበኒ የብለይን በሃላይ ኣይኰንኩን፤ ብፍላጥ ግን ክጋገ የብለይን፣ ምስናይ እኹል ዓቕመይ። ብሕመቐይን ብሸለልትነተይን ክወድቕ እንከለኹ።

ካብ ሰብ ዘለዎ ኸባቢ ቐልጢፈ’የ ዝርሕቕ፣ እዚ ሕርቃን እንከለኒ ኽዛነ ኣይመጽኣለይን እዩ፣ ኣብ ጽምው ዝበለ ቦታ ወይ ነዊሕ ዝርብሽ ዘይብሉ ጕዕዞ እግሪ ብምኻድ ምስ ነብሰይ እምዓት፣ ንነፍሲ-ወከፍ ስርሐይ ገምጊመ ኣብ ገጻት ዳየሪየይ እየ ዘስፍሮ፣ ጸጸኒሐ ንድሕሪት ተመሊሰ አንብቦ’ሞ ጽቡቕ ይስመዓኒ፣ ዘይወጽእ ሓሳብ ሒዙ የሸግረኒ እንተ’ሎ ናብዛ ዳየሪየይ እየ ዝኸይድ፣ ኣብኣ እዕቈብ፣ ንሳ ኸኣ እምንቲን ሓቛፊትን ስለ ዝዀነት።

“በዚ እንሃለ” ኢላ ኣይትነግረለይን፣ ከመይ ኢለ ዳየሪየይ ምንጪ ህድኣተይ ከም ዝገበርኩዋ ኣይርድኣንን፣ መሐለዊት ሚዛነይ ዳየሪየይ እያ፣ መደባት ዕማመይ ኣብ ገጻት ዳየረሪየይ ኣስፊረ’የ ዝወፍር፣ ዝወዓልኩዎ ኸኣ መጺአ የዋግዓ፣ ድሕሪ ዓወተይ ውድቀተይ ልዝበይ ምስ ዳየረይ እዩ፣ ሎሚ መዓልቲ ነዛ ናይዚ ዓመትዚ ዳየሪየይ ገንጺለ አንብባ ነበርኩ፣ እናንበብኩ ምስ መዛኖይ ክወዳደር እቲ ጽሑፋተይ መሪሑኒ፣ ሕስብ ኣብሎ’ሞ።

ካብ ዝፈልጦም መዛኖይ ዝዀኑ ሞያተኛታት እቲ ብዙሕ ዝጋገ ኣነ ዀይነ ጸኒሐ፣ ብዘለኒ ብቕዓትን ዓቕሚን ጽቡቕ ፍናን እዩ ነይሩኒ፣ ብዙሕ ጌጋ ምፍጻመይ ንሕመቐይ ዘመልክት ኣይኰነን፣ ነቶም ጌጋታተይ ሕልፍ ሕልፍ ኢለ ፈቲሸዮም፣ በበይኖምን ዘይራኸቡን እዮም፣ ንሓደ ጌጋ ደጊመ ተጋግየዮ ኸይከውን ፈቲሸዮ፣ ዛጊት ጽቡቕ ኣለኹ፣ ስለዚ ብዝሒ ጌጋታተይ ብዝሒ ፍሽለተይ ኣይኰነን፣ ዋዒየይ መርሒኑ ዝዃሕኳሕኵዎም ብዙሓት ኣፍደገታት ከም ዝነበሩ እዩ ኣርእዩኒ፣ “ብዙሕ ውጥም ቅልቅል … ቅልል።” ይብል ጃምቢሉ። ዘቕልለኒ ውጥም ቅልቅል ከይከውን እስከፍ፣

ምሉእ ተስፋይ

ኣስመራ 04 መጋቢት 2015