ተሳታፍነት ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ኣብ ታሪኽ ስፖርት ኤርትራ ዓቢን ፍሉይን ምዕራፍ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ድማ ሓበን ከምዝኾነ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ‘ተሳታፍነት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ንኤርትራን ኣፍሪቃን ሓበን’ዩ’ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ገሊጹ።

ብ4 ሓምለ ኣብ ከተማ ኡትረኽት – ሆላንድ ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ናይቲ ውድድር ዝተረኽበ ኣምባሳደር ዘመደ፡ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ኤርትራ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎን ናብ ባህሊ ገጹ ዝምዕብል ዘሎን ፍትው ስፖርታዊ ንጥፈት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣጒሊሑ ዘርኢ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

መበል 102 ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ ቀዳም 4 ሓምለ 13.8 ኪሎሜተር ብዝሸፈነ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ከምዝጀመረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ወዲ 24 ዓመት ኣውስትራልያዊ ሮሃን ደኒስ ኣብ ታሪኽ’ቲ ውድድር ተሃሪሙ ዘይፈልጥ 55.4 ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት ብምሕንባብ ብ14 ደቒቕን 56 ካልኢትን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ስሙያት ተቐዳደምቲ ጀርመናዊ ቶኒ ማርቲንን ስዊዘርላንዳዊ ፋብያን ካንቸላራን ድማ ብ5ን 6ን ካልኢት ድሒሮም ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም ውድድሮም ዛዚሞም።

ነቲ ውድድር ኣብ ምጅማር ቀዳማይ ኮይኑ ዝተሰርዐ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ካብ ዕዉት ናይ’ቲ ውድድር ብ1 ደቂቕን 34 ካልኢትን ድሒሩ መበል 142 ደረጃ ክሕዝ እንከሎ፡ መበል 45 ዝተበገሰ መርሃዊ ቅዱስ ድማ ብ16 ደቂቕን 47 ካልኢት ውድድሩ ዛዚሙ።

ነቲ 198 ተቐዳደምቲ ዝተሳተፍዎ ውድድር፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ምጅማሩ በቲ ሓደ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ ድማ ንደቂ ሃገሮም ዘርኣይዎ ውዕውዕ ደገፍ ኣቓልቦ ማዕከና ዜና ከምዝሰሓቡ፡ ካብቲ ብቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ኣብ ዓለምና ብዕቤቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ውድድር፡ ክሳብ 26 ሓምለ ክቕጽል’ዩ።