ዕድመ ጸጋ’ዩ ወዲ ሰብ’ውን ዕድመ እና ወሰኸ ብዝኸደ ተሞኩሮ እናደለበን ኣብ ሕብረተሰቡ ዘለዎ ክብሪ እናዓዘዘን ይመጽእ። ደቂ ሰብ ንመዋእል ክንነብር ኣይንጸልእን ኢና። እንተኾነ ግን ዕድመ እና በሃግና ብመንጽሩ ናብ እርጋን ገጽና ብዝኸድና ዝቖጸርናየን ዓመታት ክንሓብእ ንጅምር። ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ሓቀኛ ዕድሚኤን ከም ዝሓብኣ ንሳተን ከይተረፋ ዝምስክሮኦ ሓቂ’ዩ። ጉዳይ ዕድመ ኣብ ዕላላትና ምስ ዝለዓል እታ ተኣማሚንካ ሰላሳታት በጺሓ’ያ እትብላ ሄዋን ኣፋ መሊኣ “ጓል 25 ዓመት’የ” ክትብለካ ንቡር’ዩ። ነዚ ከም’ዚ ዓይነት መልሲ ዋላ’ውን ብውሽጥኻ ኣይትእመኖ ምቕባሉ ጥራሕ’ዩ።

እቲ ምንታይ ናብ ክትዕ ገጽካ እንተኣምሪሕካ ነታ ብቐደሙ’ውን ብዛዕባ ዕድሜኣ ክትሕተት ዘይትፈቱ ጓል ኣንስተይቲ ክትከስራ ስለዝኾነ። እቲ ዘገርም ግን ደቂ ኣንስትዮ ንገዛእ ርእሰን እናነኣሳ ንመዛኑኤን ዝኾና ዓመታት እናወሰኻ ከእርገኤን ምፍታነን’ዩ። ውሩይ ተዋስኣይ ሀሊውድ ኮሜድያን ኤዲ ማርፊ ሓደ ጋዜጠኛ “ብኸመይ ኢኻ እቲ ሓቐኛ ዕድመ ሰበይትኻ ፈሊጥካ?” ኢሉ ምስ ሓተቶ “ንንዕልታ ሓቲተ” ኢሉ መሊሱሉ። እንግሊዛዊ ምሁር ስነ-ልቦና ዶ/ር ኣልፍሬድ ኣዳምዝ ብወገኑ “ነታ ዘፍቅራ በዓልቲ ቤተይ መዓልታዊ ንስኽን ነቢትን እና ሓደርኩም ኢኹም እትምቅሩ ዝብላ’ኳ እንተኾንኩ፡ ንሳ ግን ዛጊት ክሳብ ሕጂ ጥራሕ ሰለስተ ናይ ገጽን ቆርበትን መጥባሕትታት ብምክያድ ንዕድሜኣ ዒስራ ዓመታት ንድሕሪት መሊሳቶ ኣላ” ይብል። ኣስዒቡ ድማ “እቲ ዘገርመኒ ድማ ኣብ መንገዲ ዘጓንፉና ሰባት ንዓይ ብምምልካት እዚ ኣቦኺ ድዩ ምስ በሉዋ ኣብ ገጻ ዝዓስል ናይ ዕጋበት ክምስታ’ዩ” ይውስኽ።

ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጥንቲ ኣትሒዘን’የን ኣብ ገጸንን ኣካላተንን ብብርዑ ዝስንዶ ስንብራት ኣብ ምቅዋምን ምድምሳስን ዝኣተዋ። ባህላዊ ይኹን ዘመናዊ ኣገባባት ብምጥቃምን ክሳብ’ቲ ብሰፊሑ ልምድታት ምፍናው ሬሳ ኣህዛብን ባህልታቶምን ሓደ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ኣዕጫው ምስ ኣቓጸሎ ድማ፡ እቶም ቐባሮ ቅዱስ ሂወት ብምምናይ ሓሓንቲ ዕማኾ ኩቦ ከምኡ’ውን ከም ህያብ ዕንባባን ዑድን ኣብ’ቲ ዝቓጸል ዘሎ ሬሳ ይድርብዩ። እቲ መስርሕ ምቅጻል ምስ ተዛዘመ ስድራ ቤቱ፡ ዝተኣከብ ሓመኹሽቲ ብነሓስ ብያቲ ብምውሳድ ኣብቲ ቑዱስ’ዩ ኢሎም ዝኣምኑሉ ሩባ “ጋንጅ” ይድርብዩዎ። በዓልቲ ቤት መዋቲ ከም መርኣያ ኣብ ልዕሊ በዓል ቤታ ዘለዋ ኣኽብሮትን ፍቕርን ብሂወታ እንከላ ምስ ሬሳ መዋቲ ሰብኣያ ትቓጸል ኔራ’ያ። እዚ ልምዲ’ዚ ብመንግስቲ ህንዲ’ኳ ብትሪ እንተ ተኸለከለ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ሂንዲ ግን ክሳብ ሓጂ ይፍጸም ኣሎ።

ኣብ ደሴታት ማዳጋስካር ዝነበር ህዝቢ መሪና ሂወቶም ምስ ባሕሪ ብምትእስሳሩ ኣብ ባሕሪ ልዑል ፍቕርን ክብርን’ዩ ዘለዎም። ሓደ ኣባሎም ምስ ዝመውት ድማ ነቲ ሬሳ ምስ’ቲ ንሱ ዝጥቐመሎም ዝነበረ ናውቲ መግፈፊ ዓሳ ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ኣቐሚጦም ኣብ ባሕሪ ይገድፍዎ። እታ ጃልባ ምስ ንፋስ ባሕሪ ክትጓዓዝ ምስ ጀመረትን ክሳብ ካብ ዓይኖም እትኽወልን ድማ ጸሎትን ምህለላን የካይዱ። ኣብ ጋና ንዝሞተ ሰብ ናይ ኮካ ኮላ፡ ሞባይልን ነፋሪትን ወዘተ ቅርጺ ዘለዎ ሳንዱቕ ብምድላው የፋንዉዎ። እዚ ልምዲ’ዚ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ቀቢላ “ኣልጃ” ዝተወርሰ’ዩ።

ኣባላት’ዛ ቀቢላ ሰብ እንተሞይቱ ምስቲ ዝነበሮ ባህርያት ዝመሳሰል ቅርጺ ተቐሚጡ ናብታ ካልአይቲ ዓለም ክጓዓዝ ኣለዎ ዝብል እምነት’ዩ ዘለዎም። ቅድም ናይ ባህላዊ መሳሪሒታት ቅርጺ’ኳ ይጥቀሙ እንተነበሩ፡ ሰናዱቕ ሬሳ ግን ዘመናዊ ቅርጺ እናሓዘ መጺኡ። ኣብ ደሴት ሶውላውሲ ኢንዶኒዥያ ዝነብሩ ኣባላት ቀቢላ “ቶራጁዳ” ምስሊ ናይቲ ዝሞተ ሰብ ብቅርጻ ተዳልዩ ኣብ ልዕሊ መቓብሩ የንብሩ እዚ ድማ ነቲ ሬሳ ካብ ርኹሳት መናፍስቲ ንምክልካል ተባሂሉ’ዩ። ስድራ ቤት መዋቲ ብርክት ዝበላ ሓሰማታትን ኣጣልን ክትሓርድ ስለዘለዋን ምስ ካልእ ወጻኢታት ቐብርን ተዳማሚሩ እቲ መስርሕ ንዓመታት ይቕጽል። ኣብ ደቡባዊ ክፋል ካሜሮን ዝነብር ህዝቢ፡ ሬሳ ዝሞተ ሰብ ከከም ደረጅኡን ሃብቱን ብዓለባ ይግነዝ። ናይ መቕርቡን ፈለጥቱን እናተባህለ ድማ ክሳብ 50 ወይ’ውን ልዕሊኡ መግነዝ ዓለባታት ይብርከተሉ’ሞ ብኹሉ ይግነዝ። ብ ሂ ል ለ ባ ማ ት ዛ ንታ ስእሊ ንምንታይ’የን ደቂ ኣንስትዮ ሓቀኛ ዕድሚኤን ዝሓብኣ? ሓደገኛ ምዃኑ ዝንገረሉ መጥባሕትታት ብምክያድ ዝዓጠረ ቆርበትን ዝተጨማመደ ገጽን ሲሒበን ሰሓሒበን ናብ’ቲ ናይ ቅድም ምስሉ ኣብ ምምላስ ይርከባ።

ጎኒ ጎኒ’ዚ ድማ እታ ጓል ዒስራ ክሳብ ሰላሳ እትበጽሕ ጓል ዓሰርት ሸሞንተ ዓመት’የ፡ ሳላሳ ምስ ኣተወት ድማ ክንዲ ኣጻብዕቲ ኢዳ ዓመታት ክትንኪ ትጅምር። ካብኡ ንንየው ግን ምቑጻር ብምቁራጽ ኣብ ሰላሳታት ትደርቕ። ዶ/ር ኣልፍሬድ ኣዳምዝ ነዚ ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም’ዩ ዝብሎ። ከም ኣባሃህሉኡ ሓደ ሰብ ተፈጢሩ ክሳብ ዝመውት ዝተፈላለዩ ናይ ዕድመ መድረኽት’ዩ ዝሰግር። ነፍስወከፍ መድረኽ ድማ ናቱ ምልክታት ኣለዎ። ሰባት’ውን ነዚ ኣሚና ምስቶም ዝፍጠሩ መድረኻት ክንጓዓዝ’ኳ ዝግብኣና እንተኾነ ንሕጊ ተፈጥሮ ብምቅዋም ግና ኣብ ናይ ዕድመ ህውተታ ንኣቱ።

ኣብ ኣተሓሳስባ ሕብረተ-ሰብ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ፍርያምነትን ሰሓብነትን ስለዝዛመድን ደቂ ተባዕትዮ’ውን ናብ ዘዝናኣሳ ስለዝጥምቱን ንዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ ከም ለባማትን ውርዝያትን ንዝኣረጋ ደቀንስትዮ ድማ በንጻሩ ከም ነግራማትን መዕዘምዘምትን ስለ ዝቖጽርወን፡ ንጽቡቃትን ንንኣሽቱን ጥራሕ ማእከል ዝገብራ ጽልዋ ማዕከናት በቲ ሓደ ትሑት ርእሰ ምትእምማን ናይ’ተን ዕድሚኤን ዝሓብኣ ደቀንስትዮ ድማ በቲ ካልእ፡ ዕድሜኻ ናይ ምሕባእ ልምዲ የማዕብል። እዚ ክሳብ ዝፍወስ ድማ ንዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ዕድሜኣ ካብ ምሕታት ንቆጠብ።