ፌስቲቫል ኤርትራ ኣብ ሃገረ ጀርመን ካብ ዕለት 03.07.2015 ክሳብ 05.07.2015 ኣብ ጀርመናዊት ከተማ ጊሰን ብኣሽሓት ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ብብዝሒ መንእሰያትን ሕጻናትን ዝተሳተፍዎ ብዓቢ ድምቀትን ዉዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስን ተኻይዱ::

እዚ ኣብ ትሕቲ „ልምዓት ብጽንዓት“ ዝብል ጭርሖ ዝተኻየደ ፌስቲቫል: ብዓርቢ ዕለት 03.07.2015 ፡ ላዕልዎት ሓልፍቲ መንግስትን ግንባር፡ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገረ ኤርትራ፡ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን፡ ካልኦት ሓለፍቲ ግንባርን ምሽናትን ክቡራትን ክቡራንን ተስታፍቲ ፌስትቫልን ቆልዑን መንእሰያትን ከተማ ጊስን ተሰንዩ፡ ዕምባባ ሪቦን ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ድሕሪ ምቑራጽ እዩ ብዕዙዝ ሃገራዊ መንፈስ ተኸፊቱ። ወግዓዊ ቃል ኣወህሃዲት ሽማግለ ፈስቲቫል ኣቶ ሓድሽ ጎይትኦም ኣቦ መንበር ሽማግለ ፌስቲቫል ፡ ፍሉይ ተልእኮ ፈስትቫል ኤርትራ ኣብ ጀርመን ወኪል ህዝባዊን ኮምውን ጉዳያት ኢምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ ብድሕሪ ምቕራብ ፡ ብምኽፋት ሽምፓኝን ፡ እዋናዊን ረዚን መልኽቲ ዝሓዘለት መምሃሪ ኣይግበርካ መምሃሪ ኣይኽላእካዘርእስታ ድራማን፡ ባህላዊ ሳዕስዒት ብሕጻናት ከተማ ጊስን ፡ ኣብቲ ህዝብን መንግስቲ ኤርትራን ዓቢ ኣቶክሮን ጻዕሪን ዘካይደሉ ዘሎ ምዕቃብ ማይን መሬትን ተሃኒጾም ዘለዉ ዲጋታትን ሓጽብታትን ዘቶኮረ ስእላዊ ምርኢትን ፡ ነዛ ዕለት ንምኽባር ካብ ሃገር ዝመጸት ጉጅለ ባህልን ናይ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ሰነ ጥበባውያንን ብዘቅረብዎ ውዕዉዒ ባህላዊን ሰፊሕ እንግዶት ሃማደኤ ጀርመንን ማሕበረኮማትን ጉጅለታት ህግደፍን መንእሰያት ምዝንግዓትን ቀጸለ።

ቀዳም ዕለት 04.07.2015

መደብ ተመሃሮ ቋንቋ ኣደን ቁሸት ሕጻናት

ናይ ቀዳም ዕለት 04.07.2015 ካብ ስዓት 07.00 ጀሚሩ እቲ ልሙድ ናይ ህዝቢ ኣገልግሎትን ክወሃብ ከሎ ልክዕ ስዓት 11.30 መደብ ተመሃሮ ቋንቋ ኣደን ቁሸት ሕጻናት ኣብ ኣዳራሽ ስሕል ተጀምረ። መደብ ቋንቃ ኣደ እሩም ትግሪኛ (ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት) ኣብ ታርኽ ቋንቃናን ታሪኽናን ኣገዳስነት ጀኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ ሃገርና ታሪኽ ኣመጻጽኣ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኮረ ውድድር ተኻይዱ።ኣብዚ ካብ እቶም እትኻፈሉ ለስ ከተማታ ከሎን ፐርታል ማንሃይም ነይረንኣብዚ ሓያል ውድድር ሕቶታት ብሞንጎኛታት ዱፕሎም ኣቶ ተስፋሚካኤል መስመርን /ገነት ገብራይ ዝቐረበሎም መሰረት ብድሕሪ ምምላስ 1ይን 2ይን ከተማ ማንሃይም ፡ 3ይ ከተማ ከለን 4ይ ከተማ ቩፐርታል ኽዕወቱ ከለዉ ኣብ ምንባብ ጽሑፍ ከተማ_ ኤስሊንግን ፡ ኣብ ባህላዊ መደባት ሕጻናት ድማ ከተማ ጊስን ተዓዊቶም ካብ ኢድ ወኪል ኢምባሲ ሃገር ኤርትራ ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ ሽልማት ተዓዲሎም።

ኣዳራሽ ቁሸት ቀዳምን ሰምበትን ሕጻናት ብዝተፈላለየ ዘመናዊ መዘናግዒ ሃገራዊ ፍልጠትን መልእኽቲን ሓዘል ኣብ ወረቀትን ገስን ምስኣልን ምቕባእን ፡ ቆልዑን ማእከላይ ዕድመን ወለድን ዝዘናግዕሉን ዝወዳድርሉን ፡ ባህላንን ና ይወጻእን ደርፍት ኣብ መድረክ ብምቅራብ ንደቅና ዓቢ ባህታን ሕጎስን ክፈጥር ከሎ ብዙሓት ወለዲ ምስ ደቆም ክከም ዕድሚኦም ክዘናግዕሉ መደባት ብምንባሩ ዕግበቶም ገሊጾም፡ ትገልጽሉ መድርኽ ነበረ። በዚ ኣግጣሚ መንእሳይት ከተማ ካስል ካብ ኣብ ዝሓለፍ ዓመታት ኣብ መደባት ፌስትቫል ኤርትራ ከም ሕጻናት ኮይኖም ዝተመኮሩዎ ብመልክዕ ሰሚናር ንኣሽቱ ኣሕዋቶም ኣስተምህሮ ኣቕረቡ።

መደብ መሓዙት ኤርትራ

ልክዕ ስዓት 12.30 ድማ መደብ መሓዙት ኤርትራ ኣብ ፌስቲቫል ጀርመን ተጀመረ። ኣብ ፌስቲቫል ኤርትራ ጀርመን 2015 ካብ ዝነበረ መደባት ሓደ: መደብ ምስ መሓዙት ኤርትራ ኢዩ ነይሩ:: ኣብዚ መደብ እዚ ካብ ጀርመን: ኣውስትርያ ከምኡ እውን ካብ ስዊዘርላንድ ዝመጽኡ ወከልቲ ምስ ኤርትራ ዝሰርሓ መሓዙት ማሕበራት ብብዝሒ ተሳቲፎም:: ፈጻሚ ጉዳያት ኣብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ ንተሳተፍቲ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ምስ በለ: ኣቶ ተኽሉ ለባሲ ተኸታታሊ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ንዕላማን ትሕዝቶን ፌስቲቫል ኣመልኪቱ መግለጺ ንተሳተፍቲ ኣቕሪቡ:: ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝግበር ኩሉ መዳያዊ ሽርክነት ኤርትራ ብዕቱብ ትሰራሓሉ ዘላ ኣገዳሲ መዳይ ናይ ዲፕሎማሲ ምዃኑ ድሕሪ ምዝኽኻር: መሓዙት ኤርትራ ብውልቂ ይኹን ብማሕበር ንዝምድናታት ኤርትራን ሃገራቶምን ንምሕያል ዝገብርዎ ዘለዉ ንጥፈታት ውጽኢት እንዳ ኣምጽአ ይኸይድ ከምዘሎ ብምጥቃስ: ኣብዚ መዳይ ብዝሓየለ ንምስራሕ ተታሒዙ ዘሎ መደባት ኣብሪሁ:: ተሳተፍቲ ብወገኖም ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያዊ ህንጸት ሃገር ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት ውጽኢቱ ኣብ ባይታ ይረአ ከምዘሎን ኣብነታዊ ከምዝኾነን ገሊጾም:: ከምዚ ዝኣመሰለ ፌስቲቫል ከኣ ሓደ መርኣያ ናይዚ ከምዝኾነ ኣብሪሆም:: ኣብዚ መደብ ዝተሳተፈ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ብወገኑ: ንመሓዙት ኤርትራ ናይ ሰላምታ ቃል ብምቕራብ: ሽርክነት ህዝብታት ክድንፍዕ ብምዝኽኻር: ንፍርያት ፌስቲቫል ከስተማቕርዎ ምኽኣሎምን ኣብዚ ኣገዳሲ ባህላዊን ፖለቲካውን ውራይ ክካፈሉ ምብቅዖም እንቋዕ ሓጎሰና ኢሉ:: ኣቶ ዮውሃንስ ኢያሱ ብወገኑ እውን ተወሳኺ ሓበሬታን መግለጽን ኣቕሪቡ:: ፌስቲቫል ኤርትራ ኣብ ጀርመን ንተሳተፍቲ ብሃገራዊ መግብን መስተን ድሕሪ ምእንጋድ: ፍሉይ ናይ ቡን መደብ ብምስንዳእ ምስ መሓዙት ኣጋይሽ ሓባራዊ መደባ ብዓወት ዛዚማ::

መደብ ሰላማዊ ሰልፊ

ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመን ብዕለት 04.07.12 ኣብ ፈስትቫል ኤርትራ ጀርመን ከተማ ጊሰን ተረኺቦም ካብ ስዓት 1430 ክሳብ ስዓት 1600 ብሓደ ድምጺ ከም ወትሩ ኣንጻርቲ ብቐጻሊ ህዝብን መንግስቲን ኤርትራ፡ ንምንብርካኽን ንምስግዳድን ንዝመጽእ ተጻብኦታትን ንልዑላውነትን ድሕነት ሃገሮምን ዘሰናኽል ሽርሕታትን፡ መቐጸልታ ናይ ዕለት 22.06.2015 ኣብ ከተማ ጀኔቫ ብደረጃ ኣውሮጳ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፍን ልዕሊ 19000 ጥርዓናት : ንሖሶት መርማሪ ኮሚሽን COI. ዘቃልዕ : ንጥምርትናን ሓድነትና ዝገልጽ : ንሃገራዊ ኪዳንና ዘሓድስን :ንመደባትን ስራሕን መንግስትና ዘሞጒስ ደገፍና ዝገልጽን ኣብ ፊስቲቫል ጀርመን እውን ብተመሳሳሊ ኩሉ ተሳታፋይ ፌስቲቫል ዝተሳተፎ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱን : ናብ ባይቶ ሃገር ጀርመን ዝኸይድ ብርክት ዝበሉ ጥርዓናት ዝተፈረመ ተኣኪቡን : ብተወሳኺ ንሓሶትን ፕሮፖጋንዳን ዕላማን ናይ መርማሪት ሽማግለ ኮሚሽን COI. ንዓና ንምብርካኽ እቲ ካልእ ድራማ ናይ ታሪኻውያን ጸላእትና ምዃኑ ዝገልጽን : ምሉእ ደገፍና ነቲ ልምዓት ብጽንዓት ዝብል እዋናዊ ጭርሖ ብተግባር ክንሰርሓሉ ምዃንናን ወትሩ ኣብ ጐድኒ መንግስትናን መራሕትናን ከምዘለናን : ኤርትራ ሃገርና እትደልዮ ኩሉ ክንፍጽም ግዴታ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ምዃኑን : ሕድሪ ሰማእታትና ከነተግብርን : ዘካየድናዮ ሰላማዊ ሰልፊ መግለጺኡ ኮይኑ : ነዚ ብዕሙቀት ዝትንትን ብርክት ዝበሉ ግጥምታትውን ቀሪቡ።

መደብ ሰሚናር ኣብ ኣዳራሽ ሳሕል

ቀዳም ስዓት 18.00 ወግዓዊ ቃል ኢምባሲ ሃገር ኤርትራ ብኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ጀርመንvarious activities (12) ወግዓዊ ቃል ኢምባሲ ሃገር ኤርትራ ብድሕሪ ምቕራብ ፡ ኣብ ጀርመን ዘለዉ ዜጋታት ኣንጻር ኩሉ ተጻብ ኦታት ህዝቢን መንግስቲ ኤርትራን ንምፍሻል ብዓቢ ኒሕን ተወፋይነትን ዘካይድዎ ሓያል መኸተን ፌስቲቫል ኤርትራ ንኽዕወት ወትሩ ዘካይድዎ ዘለዉ ንጥፈታት ሞጎሰ።

ተሳተፍቲ ፌስትቫል ምስ መራሕቶም ኢሂን ምሂን ኣብ ዝብለሉ ቅነ ተስተፍቲ ፌስትቫል ንኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሕን ብድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ሞንግኦም ብምርካቡ ዘተሰምዖም ሓጎስ ዝነብሮም ናፍቖትን ብውዉዕ ጭብጨባን ዕልልታን ተቐበልዎ። ኣብ ምሉእ ጥዕናን ወግዓዊ ስርሑ ጀሞሩ ከምዘሎ፡ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ዕድመ ነዚ ሓላል ህዝቢዚን ብህግቲ ሃገሩን ክወፈ መብጽዓ ከምዝኣተወን ዝገለጸ ክቡር ኣቶ ኣልኣሚን ናብ ናይ 50ታት ተመሊሱ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ንዝወረዱ ግፍዕታትን ዓመጽን ወነንቲ ሃገር ንኸይንኸውን ዝተፈጸሙ ኣረሜናዊ ተግባር ጸላእቲን በዲሁ ንኹሎም ውዲታት ኣላሽ ኣቢሉ ብሉጻቱ ከፊሉ ዋንነት ሃገሩ ብቕልጽኑ ዝተዓወት ህዝቢ ሓንቲ ብልጽግትን ኤርትራ ክትከውን ኣብ ስራሕ ዝርከብ ህዝቢ እዩ በለ።

ኣብዛ ዕለትዚኣ እቲ ህዝቢ ከምወትሩ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ መግለጺ ላዕላዋይ ል.ኡኽ መንግስቲ ኤርትራ እዩ ስዒቡ ። ብላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሚንስተር ዑስማን ሳልሕ ንህልው ፖለቲካዉን ቁጠባውን ኩነታት ሃገርን ዞባን: ተጻብኦታትን ሽርሒታትን ሓያል መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሰፊሕ ሰሚናር ኣቕረበ። ሚንስተር ዑስማን ኣብ መደረኡ: ንኤርትራ ፈለማ ብወተሃደራዊ ስዒቡ ኸኣ ብቁጠባዊ መንገዲ ንምብርካኻ ዝተገብረ ፈተነ ከም ዝበርዓነ ድሕሪ ምግላጽ: ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓቀኛ ሰላም እንተዝድለ: እቲ ናይ መጀመርታ ሕጋዊ ስጉምቲ ዝተወደአ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝትግበር ምግባር ምዃኑ ድሕሪ ምንጻር: ኩሉ ውዲታት ምስቲ ዘይንቕነቕ ዕርዲ ህዝብና ተጋጭዩ ክሕምሸሽ ከምዝኾነ ኣነጺሩ:: ስዒቡ መኸተና ብዘይምዝናይ ክቕጽል ከም ዝኾነን: ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከብ ህዝቢ ከኣ: ኤርትራ ብኩሉ ሸነኻታ: ንክትሕይል ከምዝሰርሕ ዝሓለፈ ታሪኹ ምስክር ኢሉ:: ኣብ ጉዳይሰብኣዊ መሰልን ዘይሕጋዊ ስግረዶብን ኣመልኪቱ ካብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ብጸላእትን ተጻባእትን ምስሊ ኤርትራ ንምድዋን ብሰብኣዊ መሰልን ጉዳይ ዘይሕጋዊ ስግረዶብን ካልእን ኣመኽኒዮም ዝተፈላለየ ዝሕብሩ ስነኣእምሮኣዊ ኩናት ንሸርሕን ዕላምኡን መደባቱን፡ ንዝካየድ ዘሎ ኣመልኪቱ ኩሉ ብጎነጽን ሓይልን ሓሶትን ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዝተፈተነ ውዲታትን ተንኮላት ተጻብኦን ብሓያል ጽንዓትን መኸተን ሰላማዊ ሰልፊን ናይ ህዝብና ትምኒት ጸላኣትና ክትግበር ከምዘይካኣለ ኣረጋጊጹ። ንሕና ከምወትሩ ንስጡም ሓድነትና ኣሕይልና ንኩሉ ብጸላእትን ተጻባእትን ንዝካየዱ ዘለው እከይ ተንኮላትን ውዲታትን ንምብዳህ ከምውትሩ ዋት ንኹን ጒዕዞ ህንጸት ሃገር ንምድንፋዕ፡ ተሳትፎ ኩለን ሃገራውያን ጒዕዞ ህንጸት ሃገር ንምድንፋዕ ተሳትፎ ኩለን ሃገራውያን ውዳቤታት ክዓዝዝ ተላበወ። መደብ ሰሚናር ብሕቶን መልሲን ርእይቶን ለበዋን ተሳተፍቲ ብዓወት ተዛዘመ ።

ንጥፈታት መንእሰያት

እቶም ነዊሕ ጠሚቶም ብኤርትራዊ ሃገራዊ መንነቶም ዝተዓጥቁ መንእሰያት ናይ ወልዶም ወሪሶም ኣበርክቶኦም ኣብ ናይ መንእሰያት ጥራሕ ከይተወሰነ ኣብ ኩሉ ሓይሊ ዕማማት ፌስቲቫል ተወዲቦም ሓለፍቲ ሓይሊ ዕምማት ኮይኖም እቲ ዝብዝሐ ስርሓትን መደባት ፈስትባል ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዘካይዱ ዘለዉ።

ሰሚናር ንመንእሰያት

ኣብ ኣዳራሽ መንእሰያት ብጀካ እቲ ብቐጻሊ ተፈላለዩ ባህላውን ዘመናውን መዘናግዒታት ፍሉይ ናይ መንእሰያት ሰሚናር ኣብ ርእሰ ምርኮሳ ተሰረተ ቁጠባዊ ሓርነትን ውሕስነት ኤርትራ ዘቶኮረ ጽሑፍ ብኣቶ ዮውሃንስ እያሱ ኣባል ኢምባሲ ሃገር ኤርትራ ኣብ ጀርመን ቀሪቡ። ዝቕረብ ሰሚናር ታሪኻዊ ቁጠባ ኤርትራ ብፍላይ ካብ 1960 .. ጀሚሩ ፡ በብግዘኡ ምስ መግዛእቲ ባዕዳውያንን ዞባዊ ፖሎቲካዊን ቁጠባውን ቅልውላዋትን ሓፈሽኡ ቀድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን ምስቲ መንግስቲ ኤርትራ ንጹር ዝኾነ ርእሰ ምርኮሳዊ ህንጸት ቁጠባ ኣተሓሒዙ ሰፍሕ መግለጺ ብድሕሪ ምሃብ ፡ ንዝመጽእ ከ ከምይ ይመስልን ኣበርክቶ መንእሰያት ከምይ ከምስልን ይኣግባእ ኣብ ዝብል ሰፊሕ መርዳእታት ዘለዎ ኣስቶምህሮ ተኻይዱ።

ምምራቕ ዕዉታት ተመሃሮ

ቀጺሉ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ መልቀቒ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝተዓወቱ: ላዕላዋይን ሞያዊ ትምህርትን ዝዛዘሙን መንእሰያት ወለዶምን ካልኦትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሚንስተር ዑስማን ፡ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን፡ ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ ወኪል ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ብኽብሪ ተመሪቆም:: በዚ ኣጋጣሚ ሚንስተር ዑስማን ንዕዉታት ተመሃሮ መተባብዒ ቃላት ምዕዶን ክልግስ ከሎ ንወለዲ ድማ ናይ እንቋዕ ሞገሰኩም መልእኽቲ ኣተሓላለፈ። ቀጺሉ እቲ ኣብ መንእሰያት ዓቢ ኣድናቖት ዝረኸበ ክዳን ብስነጥበባዊ ክኢላ ቅዲ ክዳን መንእሰይ ዘካርያስ ሰሎሞን (ካብ ዓዲ እንግሊዝ) ዘዳለዎ ናይ ቅዲ ኽዳን ምርኢት ተኻይዱ። ኣብቲ ተፈላለየ ዕድመ ዝነብሮም መንእሰያት ሓደ ሰድራ ኮይኖም ብወናማት ዲጀይ ዳዊትን ሜሮንን ብወናማት ዲጀይ ዳዊትን ሜሮንን ተሰነየ ብባህላውን ዘመናውን ብዝንጋዕ ኣሕለፍዎ።

ሰምበት ዕለት 05.07.2015

ፍሉይ ኣኼባ ምስ ሓለፍቲ ንኡሳን ጨናፍርን ጉጅለት ህግደፍን ካድራትን

ሚንስተር ዑስማንን ኣቶ ኣልኣሚ ሰምበት ንግሆ እቲ ልሙድ ፍሉይ ኣኼባ ኣብ ህሉው ኩነታትን ሓፈሻዊ ንጥፈታት ህባዝዊ ግንባርን መጻኢ መደባትን ዘቶረ ሰፊሕ ዘተ ምስ ሓለፍቲ ንኡሳን ጨናፍርን ጉጅለት ህግደፍን ካድራትን ኣካይዶም።

ውድድር ስነ ጽሑፍ

ከም ወትሩ ሓደ ንፈስቲቫል ወይ ሃገራዊ ምትእኽኻብና ህይወት ዝህብዎ እቶም ከይሰልከዩ ኣብ ስንጽሑፍ ንሰማዕቲ ዘዘናግዕ፡ ዝምህር ኣብ ኩሉ ሜድይ ህይወት ዝፍትሹ ካብ ያታዊ ተራኺ ህሉው ጉዕዞ ሃገርን ህዝብን ዝተኮሩ ጽሑፋት ቀሪቦም።

ካብ ዝቐረቡ ልዕሊ 7 (ሽብዓተ) ጽሑፋት ኣዘን ዝስዕባ ብኹሉ መዐቀኒ ብሉጻት ኮይነን ስለተረኻባ ካብ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ኣል ኣሚን ሞሓመድ ሰይድ ናይ ክብሪ ጋሻና እተፈላለዩ ስልማት ተዓዲሉ።

1 ኮይና ዝተሰለመት ጽሕፍቲ ዘይትስገር ስድቢ ዝካርያስ ተስፋጽዮን ካብ ማሕበረሰብ ማንህይምን ከባቢኡን። 2 ኮይና ዝተሰለመት ጽሕፍቲ ንሕና ወልዳይ ተኸስተ ማሕበረሰብ ማንሃይምን ከባቢኡን 3 ኮይና ዝተዕወተት ኤረትራ እዛ ደላይት ሰላም! ብተስፋይ ወልደግዮርጊስ ካብ ከተማ ሙንቸን። ኣብዚ ብርክት ዝበሉ ሃገራውያን ኣብ እተረኽብሉ እታ ካለእይቲ ጽሕፍቲ ጸሓፊ ኣብኡ ስለዝነበረ ናይ ምንባብ ዕድል ተዋሂብዎ ሓያልጨብጨባ ኣሰንይዎ።

ሰሚናር ኣቶ ኤልያስ ኣማረ

Children Activities (30)እቲ ካልእ ኵናትዘርእስቱ ሰሚናር ካብ ሰሜን ኣመሪካ ብዝመጸ ኣቶ ኤልያስ ኣማረ ኢዩ ተኻይዱ :: ኣቶ ኤልያስ ኣብ ፈስቲቫል ጀርመን ብኣካል ምስታፉ ዝተሰምዖ ሓጎስ ድሕሪ ምግላጽ፡ ፈስቲቫል መቐጸልታ እቲ ብ22 ሰነ 2015 ብኤሮጳ ደረጃ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ ንህዝቢ ምምጓስን ኣብ ቀንድ ትሕዝቶ መደብ ሰሚናር ኣትዮ።

ኣቶ ኤልያስ ኣማረ ኣስተምህሮኡ „ኵናት ብኻልእ መልክዕ“ ዝብል ኣርእስቲ ክህቦ ከሎ፡ ካብ ባዶ ተብጊሱ ከምዘይኮነን ድሕሪ ምሕባር፡ ነቲ ህልው ኩነታት ኤርትራ ንምግላጽ „ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት“ ዝብል ኣምር ከምዘይሰማማዓሉ ከምዘይሰማማዓሉን፡ ወያነ ቅድሚ 1998 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝኣወጆ ኵናት ክሳብ ሎሚ ን18 ዓመታት መመላእታ ብዝተፈላለየ መልክዑ ይቕጽል ስለ ዘሎ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓረግ መግልጺ ውድዓዊ ኩነታት ኤርትራ ክገልጽ ከምዘይክእል ንህዝቢ ኣብሪሁ።

ቅድሚ ኣብ ሕመረት ኣስተምህሮኡ ምእታው፡ ኣቶ ኤልያስ ኣማረ ስነሓሳባዊ ግሎባዊ መቓን መንደቕ በርሊን ኣብ 1991 ድሕሪ ምፍራሱ፡ ሓዳስ ዓለም ከምእተኸስተት፡ ደምበ ሶቭየት ሕብረት ዓንዮ ከምዝፈረሰ፡ ኣመሪካ ቅድሚ ምፍራስ መንደቕ፡ ንሚካኤል ጎርባቸቭ ሓድነት ምብራቕ ኤሮጳ ማለት እተን ኣብ ትሕቲ ስቭየት ዝነበራ ሃገራት ኣት ትሕቲ ራሽያ ሓድነተን ክዕቅቡለን ምዃኖምን፡ ምብራቕ ኤሮጳ ከምዘይወርወን ቃል ድሕር ምእታዎምን፡ ድሕሪም ግን ንጎባቸብ „እቲ ደኣ ብጹሒፋዊ ውዕል ዘይተፈረ ጀንትልመን ኣግሪመንት እዩ ኔሩ“ ኢሎም ከምእተላገጽሉን፡ ኣመሪካ ሎሚ ኣፍ ኣፍደገ ራሻ ዝኾነት ዩክሬን በጺሓላ ከምዘላ ገሊጹ።

ኩነታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጉሎባዊ ስትራተጂያዊ መቓን ኣእቲኻ ክረአ ከምዘለዎን፡ ኤርትራ ብጆእግራፍያዊ ኣቀማምጣ ኣብ ማሕንቖ ቦታ ከም እትርከብ፡ ነጻ መስመር ሒዛ ትጎዓዝ፡ ኪዳን ኣፍሪኮም ዘይትቕበል፡ ንተምበርካኽነት ምቕባል፡ ሕድሪ ሰማእታት ምጥላም ስለዝኾነ፡ ምጥላም ሕድሪ ስውኣት ምርጫኣ ከምዘይኮነ ኣብ ፖሊሲኣን ክብራታታን ኣስፊራ እትጎዓዝ ሃገር ስለዝኾነት፡ እዚ ኩሉ ምስቲ ናይ ምስፍሕፋሕ ኣመሪካ ስለዘይቃዶ፡ እዚ እንዕዘቦ ዘሎና ረጽምታት ሳዕቤኑ ምኻኑ ገሊጹ።

ፖሊሲ ኣመሪካ ውልቀሰባት ዝቕየር ኣይኮነን። ኣብ 1991 ዝተጋህደ ናጽነት ኤርትራ ህልው ኩነታት ኣብ ባይታ ስለ ዝኾኖ መንግስቲ ኣመሪካ ከይፈተወ ክቕበሎ ተገዲዱ። ድሕሪ ናጽነት ዝነበር እዋን „ንስኹም ሕጂ ካብ በረኻ ዝመጻእኩም ኢኹም። ዓለም ብኸመይ ከምእትምራሕ ከነርእየኩም ኢና።“ እንበሉ ከስድዑ ዝሰርሑሉ ዝነበሩ ግዜ ኔሩ። ገሪምዎም። መንግስቲ ኤርትራ ናይ ልምዓት ፕሮግራምና ባዕልና ኢና ነትግብሮ ምስበል World BankIMFን ግሪምዎም። ኩሉ ምዃን ምስ ኣበዮም ብወየነ ጌሮም ወሊዖ። እቲ final and binding ቀያድን መወዳእታን ዝብል ሓረግ ኣብ ውዕል ኣልጀርስ ከምዝኣቱ ዝገብሩ’ን ንሶም ባዕሎም ብዓል ኣንቶኒ ለይክ Antony Lake እዮም። ወያነ ብድፊኢት ኣመሪካ ውዕል ኣልጀርስ ከምዝነጽጉ ተጌሩ። ክልተ ማዕቀባት ቀጺሉ። ምስ ኩሉ ተጻብኦታት ኤርትራ ሾቶታት መዋእል ማለት MDGs 2015 ክትዕወተሉ ክእላ፡ ዓይኖም ደም መሊእዎም። ናይ ኤርትራ ንሱማላዊ ኣልሸባብ ትሕግዝ እያ ዝብል ጠቐነ ውን ፈሽሉ። ብዛሽብዚን ክልእ ኩነትን ወይዘሮ ብራውኒንግ ብሩቶን ጽቡቕ ምስክርነት ሂባ ከምዘላን ሰብ ከምብቦ ከምዘልዎን ሓቢሩ።

ንሰብኣዎ መሰላት ዝምልከት ኣምር ሰብኣዊ መሰላት ድሕሪ ምግላጽ፡ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቸርተር ሕቡራት ሃገራት ብሕልፊ ንኵናት ዝምልከት ኣብ 1948 ዝጸደቐ ሰነድ ከምዘሎ ከምዘሎ ድሕሪ ምብራህ፡ ኤልያስ ኣማረ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ መሰል ርእሰ ውሳነ ሰብኣዊ መሰላት ከምምዃኑ፡ ናይ ልምዓት ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ባይታ ተርእዮ ዘላን ግስ፡ ኤርትራ ክትምጎስ ዝግበኣ ሃገር ምዃና ገሊጹ።

ማእለያ ዘይብሉ ፈተነታት ተጻብኦ ስለ ዝፈሸሎም፡ ስዕረቶም ንምጥምዛዝ ተጻብኦ ምፍጣር ኣመሎም ምዃኑ ድሕሪ ምብራ እቲን 550 መሰኻኽር ኣለውና ዝብል መግለጺ መርማሪት ሽማግለ ው... ወካሊ ሳምፕል ንሚልዮን ህዝቢ ህዝቢ ብምንም ተኣምር ክውክል ከምዘይክል፡ መዓስከራት ስደትኛታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ስለያ ወያነ ከምዝመሓደር፡ መንነት ዝተሓተቱ ሰባት ፍሉጥ ከምዘይኮነ፡ ኣብ መወዳእታ ኩል ዝሃብዎ ምስምስ በርዒኑ ክሃስስ ምዃኑ ንተሳፍቲ ፈስቲቫል ኣፍሊጡ።

ኤርትራ ቁጠባኣ ፍንሕኒሕ ይብል ከምዘሎ፡ ዕድና፡ ካልኦት ሃገራት ኤሮጳ ንኸይሓልፈን ንኤርትራ ክኣትዋ ተቐሪበን ከምዘለዋ። እግዳ ራሻ ንጀርመን ከምዘይጠቐማ ብኣንጻሩ ሃስያ የውርደላ ከምዘሎን ካልኦት ሃገራት፡ እገዳ ኣብ ዓለም ሃስያታት የውርድ ከምዘሎ ስለ እተረድኣ ይቃወምኦ ከምዘለዋ ገሊጹ።

ስዒቡ እንታይ ንግበር? ንዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ ፖሊሲ ዘይተምበርካኽነትን ነጻ ፖለቲካዊ ቁጠባዊ መስመርን ካብ ተኸተልና፡ መኸተና ብቐጻልነት ክሕይል ኣለዎ፡ ኣዝዩ ተዓጻጻፊ ዝኾነ ውዳበ ከነርኢ ከምዘሎናን ንህዝቢ ተላብዩ። ነዘን ዝስዕባ እማመታት ከኣ ኣቕሪቡ።

1ይ ወዳበታትን ኣዚና ከነስፍሖ ከምዘሎና። 2ይ መዲያ ዓለም ብትእዛዝ ስለ ዝሰርሑ፡ ንጥፈታትና ኣይከቃልልዖን እየን ስለዚ Alternative Media ክንድህስሶ ከም በዓል PressTV Telesur RT ወዘተ ክንድህስሶ ከምዘሎና። 3ይ ናትና መራኸቢ ብዙሓን (ራድዮ፡ ቲቪ፡ ጋዜጣ፡ ወብ) ክሕይል ከምዘለዎ ኣለዎ ከመይሲ መዲያ ዓቢ መሳርሒ መኸተ ስለዝኾነ፡ 4ይ ናይ ዲያስፖራ መዲያ ብዝቐልጠፈ ክብርትዕ ክፍጠርን ከምዘለዎ። ብሲነርጃዊ ዝተቓነየ መገዲ ክሰርሕ ምስ ዝጅምር ከድምዕ ከምዝኽእል።

ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ፡ እሙናት መራኸቢ ብዙሃንና ኩለን፡ ብቕጽበት ኣብ ግዜኡን ኣብ እዋኑን ዝከኣለን ከበርክታ immediate action ክወስዳ ከምዘለውን ሓቢሩ። ዝተዋደደ information ንሓደ ሓሶት 100 ግዜ ምስ ትደግሞ ሓቂ ይመስል ዝበሎ Goebels ብሂወቱ ዘሎ እዩ ዘብለካ።

ኣብ መዲያ ንድንጕ ከምዘሎና። ኣሰራርሓ መዲያ ኣብ ደምና ጌና ኣይኣተውን ስለ ዘሎ ክንሰርሓሉ ከምዘሎና፡ ኮሚተታት መዲያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ክቖማ ከምዘለወን ዝበለ ኣቶ ኤልያስ ኣማረ፡ ንሕና public ወይ citizen ambassadors ስለ ዝኾንና ኣብ መዲያ ከይተረፈ መትከል ርእሰ ምርኮሳ ተኸቲልና እንተሰሪሕና ጥራይ ክንምዕብል ከም እንኽእልን ንሓሶ መርማሪት ሽማግለ COI ዘጋልጽ መሳርሒ ክንፈጥር ከምዘሎና፡ ኣብ ክሲ’ውን ከነቕርቦምን ንቶም ዘይኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ምቅላዕ ከም ህጽጽቲ ዕማም ጌርና ክንወስዳ ከምዘሎናን መሰኻኽር ብቪድዮ ቀሪጽና እንተንሕዞም ዝተመርጸ ኣገባብ ከምዝኾነ ንህዝቢ ተላብዩ።

ኣብ መወዳእታ ሓድነትን ምድልዳል፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ምኹላዕን ዝካየዱ ናይ መኸተ መደባትና ክንድርዕ ንኩሎም ብጸላእትን ተጻባእትን ዝእለሙ መደባትን ፈተነታትን ከነፍሽል መሰረታዊ እምነተ ኩርናዕና ሓያል ውዳቤናን ስጡም ሓደነትናን ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብዚ ጎደና ንሕና ንጸላእትን ተጻባእትን ከም እነረብርቦም፡ ኣረብሪብና ድማ ከም እንዕወተሎም ምሉእ ምትእምማን ኣሎና ክብል መግለጺ ደምዲሙ።

ኣገልግት ሃማደኤ ጨንፈር ጀርመን

ሃማደኤ ጨንፈር ጀርመን ኣብ ጎኒ ኣወህሃዲት ሽማግለ ፈስቲቫል ኮይና ካብ 2002 .. ናይ ሰለስተ መዓልቲ ንተስፍቲ ፌስትቫልን ንፍሉያት ወጻእትኛታት ኣጋይሽን እተበርክቶ ሰፍሕ ናይ ምግብና ኣገልግሎት ፡ ብነጋዶ ፌስትቫል ዓቢ ኣድናቖት ዘትርፍ ዘሎ፡ በተን ቀትርን ለይትን ከይተሓላላ ብተወፋይነት ጻዕርን ኣባላት ሃማዴኤ ጀርመን ዝካየደ እዩ። ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ፈስትቫል ኣብ ኣድራሽ ቀረንን መስተን ኣዳራሽ ሃማኤን ስእላዊ ምርኢትን ቁሸት ሕጻናትን ሸቃጦ ኣገለግት ይህቡ ነበሩ።

ኣገልግሎት ቀረብን ሰነ ስርዓትን

ኣጋይሽ ፈስቲቫል ኣብቲ ብኣወሃሃዲት ሽምግለ ሓይሊ ዕማም ምውቃብን ተክኒክን ብእዋናዊ ጭርሖታትን ብሃገራዊ ስልማትን ተወቀበ ምዕሩግ ኣዳራሽት ተዳልዩ ዝነብረ ናይ ፈስቲቫል መደባት ብምስታፍ ብዉዕዉዕ ሓድነታዊ መንፈስን ክዘናግዑ ከለዉ፡ ኣባላት ማሕበረኮማትን፡ ጉጅለታት ህግደፍን .... መንእሰያት ህግደፍን ሽማግለ መኸተን ግዱሳት ኤርትራውያንን ኣብቲ ብኣካያዲት ሽማግለ ተመደበ ፕሮግራማትን ኣገልግሎትን ብፍሉይ ጥርናፌን ውዳበን ብምውሳእ ኣባላት ሰነዳ ጸሑፍን ቪድዮ ን ስእልን ኢንተናን እውን ብውህደት ሰለስተ መዓልት ንለይትን ኣጎልግሎም ከየዒረፉ ብምሃብ ዕዙዝ ኣብርክትኦም ንምውፋይ ንፈስትቫልና ዝያድ ድምቀትን ክብረትን ሂብዎ።

መደብ ባህሊ

መደብ ባህሊ ብመንእሰያት ይመሓደር ምንባሩ ኣዝዩ ዝምስጥን ልዙብን ምቁርን ኣቀራርብባ ኔርዎ። ካብ ኤርትራ ዝመጸት ጉጅለ ባህሊ : መዓልታዊ ምኡዝ ሃገራዊ ዜማታት ብምቕራብ ንተሳተፍቲ ኣዘናጋዒን መሃርን መደብ ኣቕሪባ:: ብጀካ እዚ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ሃገራውያን ስነጥበበኛታት ብድራማን: ተዋስኦን: ሃገራዊ ደርፍታትን ነዚ ፌስቲቫል እዚ ኣማዕሪጎሞ:: ተሳተፍቲ ንዕግበቶም ሰለስተ መዓልቲ ከምዝወሓዶም ሰለስተ ስዓት ዝገበሩ ኮይኑ ከምዘይተሰምዖምን ኩሉ ዝነበረ እንግዶት ኣዝዮም ዕጉባት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጾም ኣብ ዝኾነ እዋን ካብኦም ዝድለ ከምወትሩ ቅሩብነቶም ኣረጋጊጾም እዚ መግለጺ ኤርትራዊ ባህሊ ንፍቕርን ሓድነትን ንምስሳስን ዝካየድ ዘሎ ብዘይትሓለለ ጻዕሪ ክድፍኣሉ ከምዘለዎ ደጊሞም ሓሳሲቦም ፡ ኣብ መዛዘሚ ፌስቲቫል ተሳፍቲ መኸተኦም ከም ወትሩ ከምዝሕይልን: ምስ መንግስቶምን ህዝቦምን ኮይኖም ኣብ ህንጸት ሃገሮም ብግብሪ ከምዝሳተፉን ዳግም ብምርግጋጽ ፡ መደብ ብዝኽሪ ሰማእታት ብዓወት ተዛዘመ::

ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ

ሽማግለ ፌስቲቫል ኤርትራ ጀርመን 2015