ኤርትራ፡ ኣብ ዓለም-ለኻዊ መድረኽ ስፖርታዊ ቅነ ውድድር ኲዕሶ እግሪ ‘ዳና ካፕ’፡ ብናይ ደቂ 13 ዓመት ኣብ ጉጅለኣ ጸብለልታ ብምርኣይ ከምእተሸለመት፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ኣብ’ዚ ካብ 20 ክሳብ 25 ሓምለ ኣብ ከተማ ሁዮሪን – ደንማርክ ዝካየድ ዘሎ ዓለም-ለኻዊ ስፖርታዊ ቅነ “ዳና ካፕ”፡ ኤርትራ ብማሕበር ስፖርት ኤርትራውያን ነበርቲ ዮቶቦሪ – ሽወደን ብዝተመልመላ ክልተ ጋንታታት፡ ምስ ዛምብያን ጋናን ንኣፍሪቃ ወኪላ ትሳተፍ ከምዘላ ይፍለጥ። ብዘይካ’ዚ፡ ጠርነፍቲ ናይ’ተን ንኤርትራ ወኪለን ዝሳተፋ ዘለዋ ጋንታታት፡ ንኣካያዲ ናይ’ቲ ብዕቤት ውዳቤኡ ኣብ ዓለም ብሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ መድረኽ ውድድር ኲዕሶ-እግሪ፡ ምስ ሃገሮም ዘላሊ ህያብ ኣበርኪቶም። ኤርትራ ኣብ ውድድር ኲዕሶ እግሪ ‘ዳና ካፕ’ ተሸሊማ ኣብ 1981 ብተሳታፍነት 222 ጋንታታት ዝጀመረ ስፖርታዊ ቅነ ኲዕሶ-እግሪ “ዳና ካፕ”፡ ሎሚ ዓመት ን46 ሃገራት ዝውክላ ኣስታት 1,100 ጋንታታት ቈልዑ ይሳተፍኦ ኣለዋ።