ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ዝርከብዎም ትሽዓተ ኣባላት ሓቚፋ ኣብ መበል 102 ዙር ፈረንሳ ንፈለማ እዋን ትሳተፍ ንዘላ ፕሮፈሽናል ኣፍሪቃዊት ክለብ ቅድድም ብሽክለታ ኤም.ቲ.ኤን-ኲበካ ዮሃናኡ ገሊጹላ። እቲ ዝወጸ ፕረዚደንታዊ መግለጺ፡ እታ ክለብ ኣብ ናይ መጀመርያ ተሳትፎኣ ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ዓቢ ኣህጉራዊ ውድድር ምስታፋን ድሙቕ ዓወታት ምምዝጋባን ሓበን ንኣፍሪቃ ምዃኑ ጠቒሱ፡ “ኤርትራዊ ኣባል’ዛ ክለብ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ማልያ ኣንበሳ ዓቐብ ዝወደየ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ምብቅዑ ኣድናቖት ዝግብኦ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ነታ ክለብ ዓወት ተመንዩላ። ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ንቱር ደ ፍራንስ ኣብ ዝቀራረቡሉ ዝነበሩ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ25 ሰነ ብኣካል ረኺቡ ከምዘተባብዖምን መቀዳደሚ ብሽክለታ ብመልክዕ ህያብ ከምዘበርከተሎምን ይዝከር። እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ነዞም ሓበን ኤርትራን ኣፍሪቃን ዝኾኑ ክልተ ጐባልል ድሙቕ ህዝባዊ ኣቀባብላ ንምግባር ምድላዋት ይካየድ ከምዘሎ፡ ካብ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።