ብገብረንጉስ መስመር

ተማሳሲልካ ምንባር ይሓይሽ። ምምስሳል ማለት እንታይ ማለት’ዩ? ስለምንታይ’ከ ትመሳሰል? ምስ መን’ከ ትመሳሰል? ብዛዕባ እንታይ’ከ ትመሳሰል? ኣነ’ኸ ስለምንታይ ነዚ ኣርእስቲ’ዚ መሪጸ? ነዘን ሕቶታት እዜን ብዓቕመይ ክምልሰን ክፍትን’የ። ምምስሳል ክልተ መልክዕ ወይ ትርጉም ዘለዎ ቃል’ዩ። እቲ ሓደ ኣወንታዊ ክኸውን ከሎ፣ በቲ ካልእ ከኣ ኣሉታዊ ትርጉም ይህልዎ። እቲ መዘና ዘይብሉ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም መዝገበ ቃላት ተጠቒምና ነዛ ሓንቲ ቃል ግን ክልተ ትርጉም ዘለዋ እስከ ንክልቲኡ ተርጉማታ ንፈትሾ።

ኣወንታዊ ትርጉማ፤ ኣብ ጊዜ ገድሊ መነባብሮ ተጋዳልይ ብብዙሕ መንገዲ ዝተኸበን ዝተጸልወን ምንባሩ ኩሊና፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ብረት ዓጢቑ ዝጋደል ዝነበረ ተጋዳላይ/ተጋዳሊት ኣዔርዮም ይፈልጥዎ። ካብ ገጠር ይኹን ካብ ከተማ፣ ካብ ሩኹባት በተሰብ ይኹን ካብ ስኡናት፤ ካብ ከበሳ ይኹን ቆላ፤ ካብ ወጻኢ ይኹን ካብ ውሽጢ፣ ተባዕታይ ይኹን ኣንስታይ፤ ጓሳ ይኹን ተማሃራይ፤ ሸቃላይ ይኹን ሓረስታይ። ወዘተ… ብሙሉኡ ናብ ሓንቲ መኣዲ፣ መኣዲ ቃልሲ (ገድሊ)ተሰሊፉ። እቲ ቋንቋ ጉራማይለ’ዩ ሓደ ዝተዛረቡ እቲ ካልእ ንምስምዑ ዘጸግሞ። ምኽንያቱ ካብ ዝተፈላለየ ብሄርን ቋንቋን ዝተኣኻኸቡ ስለ ዝነበሩ። ኣብዚ እቲ ምምስሳል ዝብል ቃል ኣወንታዊ ትርጉሙ መታን ክጻወት ኩሉ ተሰላፋይ ነንሕድሕዱ ክመሳሰል ግድነታዊ ነበረ። ሸቃላይ ንሓረስታይ ፤ ተማሃራይ ንጓሳ፡ ባዓል ከተም ንባዓል ገጠር ወዘተ… ንክመሳሰል ካልእ ኣማራጺ ዘይነበሮ ቅኑዕ መስርሕ ቃልሲ’ዩ ነይሩ። ኮምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ተጋዳላይ ዱልዱል ነብሰ ተኣማንነትን ሓቀኛ ብጻይነትን ከጥሪ ኪኢሉ። ስለምንታይ ነንሕድሕዱ ስለ ዝተማሳሰለ። ብኻልእ ኣወንታዊ ሸነኽ ከኣ፣ ተጋዳላይ ኣብ ዓውደ ኲናት ጸላኢኡ ኣበይ ከምዘሎ መታን ከይፈልጦ ምስቲ ዘለዎ ቦታ ክመሳሰል ክበላሓት ነይሩዎ። ኣብ ልሙዕ ዝኾነ ቦታታት ኣቕጽልትን ሳዕርን ተሸፊኑ ነቲ ቦታ ክመስል፣ ኣብ መላጣትን ገያጻት ኮሮቢትን ኣኻውሕን ከኣ ንዕኦም መታን ክመስል፤ ነታ ብለይቲ ከም ነጸላ፣ እንተተወግኤ ከም መጀነኒ (ፋቻ)፣ እንተተሰውኤ ከኣ መግነዚኡ ዝጥቀመላ ኣንሶላኡ (ነጸልኡ) ብተፋላለየ ብልሓትን መልክዓትን ሕብራ እናቐያየረ ከም እትውቕብ ምስቲ ዘለዎ ባይታ ከም እትመስልን ገሩ የማሳስላ ኔሩ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነ።

ተጋዳላይ ነቲ ቕድሚ ናብ ሜዳ ምስላፉ (ካብይ ተሰሊፉ ብዘየገድስ) ዝነበሮ ባህርያት ምስቲ ናይ በረኻ ባህርያት ከመሳስሎ ስለ ዝነበሮ፡ ምስኩሎም እቶም ብድሆታት ተማሳሲሉ’ዩ ሓሊፉዎ።

ምስ ቁሪ፡ ሃሩር፡ ጥሜት፡ ጽምኢ፣ ድኻም ፡ዕርቃን፣ ሕማምን፣ ኩሎም ለመምትን እንስሳታት በረኻን እንተዘይማሳሰል እቲ ሰውራ’ውን ኣይምተዓወተን። ካልእውን ሰውራ ኤርትራ ምስ ገዛኣቲ ስለ ዘይተማሳሰለ፡ ኣብ ዕላማ ረጊጺ፡ ሓፋሽ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ፡ ማዕርነት ተጋዳላይ ኣረጋጊጹ፡ ሽግርን መከራን ሓላፋይ ምኳኑ ገሊጹ ስለ ዝመከተ ነቲ ንነዊሕ ግዜ ነጻነት ተሓሪሙዎ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ጉልባብ መግእትነት ቀንጢጡ፡ ብርሃን ነጻነት ዘጨበጠ።

ስለዚ እዚ በቲ ቁኑዕ ትርጉሙን ኣብ ጊዜ ሰውራ ዝተሰርሓሉን ንዓወት ዘብጽሔ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ካልኣይ ትርጉሙ ንመልከት። ኣሉታዊ ትርጉሙ፤ ዋላኳ ቀዳሞት ኣቦታትና ተማሳሲልኩም ንበሩ ዝብል ቃል እጥቀሙ እንተነበሩ፡ ብማሕበራዊ ናብራ ኣጠቓቕማ ድኣምበር ብፖሎቲካዊ ኣባሃህላ ልሙድ ከምዘይነበረ ክንፈልጥ ንኽእል። ንእብነት ሓንቲ ጓል ተመርዕያ ናብ እንዳ ሓሙኣ ቅድሚ ምኻዳ ብወለዳ ዝወሓባ ማዕዳ ምስ እዳ ሓሙኣ ብፍላይ ከኣ ምስ ሓማታ ተማሳሲላ ንኽትነብር እዩ ዝንገራ። ብልክዕ ተርጉሙ እንተተመልኪትናዮ ዝበሉኺ ኮንኪ ኪድ ማለት’ዩ።

እብዚ ሕጂ ግዜ ግን ‘’ተማሳሲልና ምንባር ይሕሸና’’ ዝብል ኣበሃህላ ብወገነይ ቕድሚ ኲናት ምጅማሩ ኢድካ ምሃብ ኮይኑ ይስማኦኣኒ። ገለ ሰባት (ኤርትራውያን) መንግስትና ስቕ ኢሉዩ ስለምንታይ ምስ ኣመሪካ ተመሳሲሉ ዘየንብረና ዝብሉ ገና ማራኺ ከይማረከ ከሎ ናዓ እነኩ ተማሪኸ ዝብል ድምጺ ዘስምዕ ዘረባ ክዛረቡ ትሰምዕ። ተመሳሲልካ ምንባር ዝከኣል ነይሩ እንተዝኸውን ካብ ምስ ኣመሪካ መሰል ደቂ ሰባት ዝገፍፍ መንግስት ምስ ካልኦት ሃገራት ምሓሸ። ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ተመሳሲልካ ምንባር ማለት ባርነት ምምራጽ ማለት ምኳኑ ክንግንዘብ ይግባእ።

ካብኡ ሓሊፎም’ውን መንግስትና ኣመሪካ ዝብልዎ ኣይሰምዕን’ዩ ዝብል ብሂላት’ውን ይዝረብ።

መንግስትና ኣመሪካ ዝብልዎ ኣይኮነን ዘይንሰምዕ። ኣመሪካ’ዩ መንግስትናን ህዝብናን ዝብሎ ዘይሰምዕ። ኣመሪካ ዝበለን ዝሰምዓ ዝነበራን ዘለዋን መንግስታ ህዝበን ነንሕድሕዱ ይቀዛዘፍ ኣሎ። ዓቢ ኣብነት መንግስቲ ግብጺ ኣብ ጊዜ ሙባረኽ ዝተጠንሰ ህውከት ሕጂ ኣብ ዘኣቶ ጋሃነብ እሳት ተሸሚማ ትርከብ። ዒራቕ ድሕሪ ሰዳም ሑሴን፤ ሊብያ ድሕሪ ሞዓመር ገዳዛፊ፡ ኣፍጋኒስታን፤ ኢድ CIA ኣብ ናይጀሪኣ፤ ከንያ፤ ኢትዮጵያ፤ ጉዳይ እስራኤልን ፍሊስጥየምን፤ ኩነታት ክልተ ኮርያ፤ ጉዳይ ሶርያ፤ ኩነታት የመን…ወዘተ። ሎሚ ንኣመሪካ ብዘለዋ ጸብለልትነት ተዳሂሉ ወይ ተማሪኹ ወይ’ውን ተታሊሉ ዘይውጻእ ዓቐበት ኮይኑ ዝስምዖ ኤርትራዊ፡ ነቲ ትማሊ ምእንቲ ነጻነትን ድሒሩ ልእላውነት ሃገር ከውሕስ ዝተሰውኤ/ት ሰማኣታትና በጃውነቶም ምኽሃድ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ካብ ዝጀመረሉ ዘመን ኣትሒዝና እንተተመልኪትናን ታሪኽ ሃገርናን ህዝብናን ዘጋጥም ዝነበረ ተጻብኦታን እንተንቢብና፣ እታ ቀንዲ ዓማጺትና ጓዕጻጺትና ዝነበረት ሃገር ( መንግስቲ ) ኣመሪካ ምዃና ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ማለት ግን ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ጽቡቕ ዝምድና ኣይሃልወና ማለት ኣይኮነን። ዝምድናና ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝተሞርኮሰ ድኣምበር ዓማጺን ዘይፍትሓውን ክኸውን መትከልናን ዓላማናን ኣይድግፎን። መርገጽ መራሕቲ ኣመሪካ ኣብ ሊዕሊ ሃገርናን መንግስትናን ንጹር’ዩ። መጽናዕቲ ወይ መወከሲ ዘየድልዮ ኣይኮነን። ንጥፍኣትና ዝዓለመ ምኳኑ እንትረፍስ ኤርትራዊ ሙሉእ ህዝቢ ዓለም ዝፈልጦ’ዩ። ኦባማ ዓው ኢሊ ዝተዛረበሉን ዝምድረሉ ዘሎን ምዃኒ ንማን ፍጡር ክዉል እይኮነን።

መንእሰያትና ተጓሕጉሖም ክወጹን ምክልኻል ሓይልና ከዳኽምን ከም ቀዳማይ ዕማም ተታሓሒዝዎ ኣሎ። ሓደ ብጣዕሚ ዘገርምን ዘሕዝንን ገለ ሰባት ኣብ ሜዳ ኤርትራ ተጋደልቲ ዝነበሩ፣ ኣመሪካ ቀዳመይቲ ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ ምኳና ዝምህሩን ዝኣምኑን ዝነበሩ፣ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት እምነቶም ክቕዩሩ እዮም ኢልካ ዘይትሓስቦም ሰባት፤ ሎሚ ንመንግስቲ ኣመሪካ ከም ደላይ ሰላም ፍትሒ ለጋስን ኣሚኖም ዕድመ ንኣመሪካ እንዳበሎ ክመጻደቑ ትርኢ። ብወገን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዕድመን ጥዕናን ሰላምን ቕሳነት ንኹሉ ህዝቢ ዓለም ንምነ። እንተ እዞም ተመጻደቕቲ ግን ዕድመ ኤርትራ ብዕድሚኦም ስለ ዝጥምትዎ ጥራሕ ንዕኦም ኣይኽፋኣዮም እምበር ዝመጽእ ትውልድስ ኣይእታዮምን ገረም ስለ ዝቖጽሩዎ ብዛዕብኡን ቀጻልነት ሃገርን ዉሉዳን ካብ ኣእሙሮኦም ወጊዶሞ’ዮም። ኣብ ኤርትራ ሽግር ኣሎ እናተባህለ ይዝረብ’ዩ። ብሓቂ ከ ሽግር ኣሎ። ግን እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግር፡ በቶም ምስ ኣመሪካ ተማሳሲሎም ክነብሩ ዝደልዩ፤ ሃገሮም ኪሒዶም ሽግር ኣሎ እናበሉ ዘማርሩ ዝተፈጠረ ሽግር’ዩ።

ሃገር ኪሕድካ፡ ውዕሎ ጀጋኑ ረሲዕካ፡ ስድራ ሰማእታት፡ ዘንጊዕካ፡ ምስቶም ትማሊ ደም ስድራኻን ህዝብኻን ከም ደም ከልቢ ዘፍሰስዎ ተጸጊዕካ፡ ምስ መወልቶም ተማሳሲልካ ክትነብር ምሕሳብ ካብ መርገም ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። ሎሚ ክድምና ባዕዳውያን ዝመርጽ ኤርትራዊ ዓገብ ትጋገ ኣሎኻ ትብሎ፤ ኣይፋለይን ጽቡቕ ኣሎኩ እንተበለካ ግን ሽፋ ይግበረልካ ኢልካ ኣፋንዎ።

ግዜ ባዕሉ ከጣዕሶ ምዃኑ ግን ኣምተሉ። ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ፡ ሳላ ተፈጥሮ ሃገርና ንእሽቶ፣ ህዝብና ውሑድ። ንሕና ግን ኣብ ምዕባይን ምንኣስን ወይ ኣብ ምውሓድን ምብዛሕን ኣይኮነን እምነትና። እምነትና ኣብ ሓድነትና፡ ኣብ ምትሕልላይና፡ ኣብ ፍቕርና፡ ኣብ ክብርታትና፡ ኣብ ሃይማኖታትና ኣብ ባህልና፣ ብዓብኡ ከኣ ኣብ ሃገርና’ዩ። ብዝሕን ግዝፍን ናይ ዓወት ወሳኒ ከምዘይኮነ ኣብ ብረታዊ ቃልስና ተመስኪሩ’ዩ።

ግደ የቡሉን ኣይበሃልን ግን ወሳኒ ኣይኮነን። እዚ ማለተይ እቲ ዋሕዲ ህዝብና ህያብ ጸጋ ኮይኑ፡ ንሕና እዞም ብደገ ዘሎና ብጥርኑፍ ዓቕምና ብዘፍቕዶ ተወዲብና መንእሰያትና ኣብ ሃገርና ክሰርሑሉ ዝኽእሉ ወፍሪ እንተንገብር ብዙሕ ረብሓ ምሃለዎ ኮይኑ ይስማኦኣኒ። ናኣብነት፡

1) መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ስራሕ መረኸበ።

2) መንግስትና ካብቲ ተደራራቢ ጽዕቀት ተጻብኦታት ንምምካት ግዜ ምሃለዎ።

3) ንሕና ንባዕልና ሕልናውን ሞራላውን ጉቡኣትና ምተማልኤ።

4) ጸላእትና ዓቕሚ ናይ ምግባርና ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ደጊሞም ምተረድኡ።

5) ብዓይኒ ረብሓ እንተተመልኪትናዮ’ውን ንሕናን ህዝብናን ተጠቀምቲ ምኾና። እስራኤል ካብተን ብትሕዝቶ መሬት ዝነኣሳ ብቑጽሪ ህዝቢ ዝወሓዳ ሃገር እያ። ብዓቕምን ሃብትን ከኣ ምስተን ዝለዓላ እያ። ስለምንታይ ኮምኡ ኮይና ንዝብል ሕቶ ብዙ መልሲ ክወሃቦ ዝከኣል እኳ እንተኮነ ካብቲ ቀንዲ ንዓና ከም ኣብነት ክንጥቀመሎ እንኽል ግን፤

1) ኩሎም ህዝባ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ምእንቲ ድሕነትን ልምዓትን ሃገሮም ይሰርሑ።

2) ኣብ ወጻኢ ሰሪሖም ገንዘቦ ኣብ ሃገሮም የዋፍሩ። 3) ሙሁራቶም ዝግባእ ኣበርትክቶ ኣብ ሃገሮም የገልግሉ።

4) ህዝቦም ኩሉ ግዜ ንድሕነት ሃገሩ ቀዳምነት ምስ ሃበ እዩ። ንሕና ኮምኡ ክንኮነሉ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ዘሎ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ተበግሶ ጥራሕ ይሓትት። ምስ መንግስትናን ህዝብናን በቲ ቁኑዕ ትርጉም ምምስሳል ተጠርኒፍና ክንሰርሕ ድሉዋት ንኹን።

ጉዳይና ደርቢና ጉዳይ ጓኖት እሞኽኣ ንህላወና ከጥፍኡ ንዝደልዩን ዝሰርሑን ክንመሳሰል መሰል’ውን የብልናን።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና።

ዕወት ንሓፋሽ።

ገብረንጉስ መስመር።