ZUgugBx2kqG7ንኤርትራዊያን ነበርቲ ዋሽንግተንን ከባቢኣን ሰሚናር ኣካዪዱ። ኤርትራ፡ ሳላ ብሉጽ ክብሪታት ዝውንን ተቓላሳይ ህዝባ፡ ንብድሆታት ናብ ዕድላት ብምቕያር፡ ክብረታ ዝሓለወት ልኡላዊት ሃገር ኮይና ከምዘላ፡ ኣብ ርእሰ-ምርኰሳ ዝተሰረተ ናይ ቊጠባዊ ሽርክነትን ወፍሪን ፖሊሲኣ ድማ ከም ኣድማዒ ቊጠባዊ ሞዴል ይውሰድ ከምዘሎ ብምብራህ፡ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ተመዝግቦ ዘላ ዓወታት መርኣያ ናይዚ ምዃኑ ብዝርዝር ገሊጹ። ኣምባሳደር ግርማ ወሲኹ፡ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ተጎቢጡ እንከሎ፡ ገጹ ዝኸወለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓቕሚ ምክልኻል ህዝቢ ኤርትራ ንምድኻምን፡ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ከይናገፍን ቊጠባዊን ፖለቲካዊን እገዳታት ብምትእትታው ዋሽንግተን-ዲሲ፡ ሰሚናር ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ንምንጻሉ ብዙሕ ሃቐነታት’ኳ እንተካየደ፡ እዚ’ውን ከም’ቲ ዝቐደመ ብንቕሓትን ሓድነትን ይምከት ከምዘሎ ኣነጺሩ። ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቶ ብርሃነ ገብረህይወት ብግደኡ፡ ብመንግስቲ ተታሒዙ ዘሎ መደባት ልምዓትን፡ ብህዝቢ ክትግበሩ ዘለዎም ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ንጥፈታትን ኣመልኪቱ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ሕጂ’ውን ብጠቐነ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንድሕሪት ንምምላስና ብዝግበር ዘሎ ተጻብኦታት ከይተሰናኸልና፡ ውዳቤታትና ኣደልዲልና – ገስጋስ ምዕባለን ዕቤትን ሃገርና ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ዝካየድ ጻዕሪታት ብዝሓየለ ክቕጽል ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ። ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ልኡላውነት ሃገሮም ንምዕቃብን፡ ቊጠባዊ ዕቤት ንምድንፋዕን ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ ዕማማት ካብኦም ዝጥለብ ከማልኡ ድልዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።