* “ሓንቲ ገረብ ንኽቆርጽ ሸሞንተ ሰዓት እንተ ዝወሃበኒ፡ እተን ሽዱሽተ ሰዓት ፋሰይ ከብልሕ መሕልፍኩወን” -ኣብርሃም ሊንከን

* “ንዘይተማህረ ሰብሲ A ሰለስተ ዕንጸይቲ ወይ መስመር ጥራይ’ያ” –ኣላን ሚለን

*”ውሑድ ኣፍልጦ ክህልወካ ሓደገኛ’ዩ ዋላ’ዉን ብዙሕ” -ኣልበርት ኣንስታይን

* ልቢ ዓሻ ኣብ ኣፉ’ያ ኣፍ ለባም ግና ኣብ ልቡ’ያ። በንጃሚን ፍራንክሊን

* “ገለ ሰባት ንዝናብ የስትማቕሩዎ፡ ገለ ድማ ይጥልቅዩ ጥራይ” ቦብ ማርሊ

* “እቲ ዝበለጸ ነገር ሓደ ኣቦ ንደቁ ክገብረሎም ዝኽእል ንኣዲኦም ምስ ዘፍቀራ’ዩ” -ጆን ውድን

* “እቲ ጾር ኣይኮነን ዝሰብረካ ሜላ እሰኻኽማኻ ደኣ እምበር” -ሊዮ ሆልትስ

* “ስራሕን ፍቕሪንሲ እምነ- ኩርናዕ ናይ ሰብነትና እዮም” -ሶቅራጠስ

* “ንሓጎስ ኢልካ ምስ ዘለልካ መሬት ካብ ትሕቴኻ ከይትእለ ተጠንቀቕ” -ሶቅራጠስ

* “ነብስኻ ምፍላጥ መበገሲ ኩሎም ልቦናታት’ዩ” -ኣሪስቶትል