jpg (1)

ውዳቤ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ መላእ ኩርንዓት ዓለም ኤርትዊ መንእሰይ ኣብ ዝርከባ ስድሪ መሬት ብሕጋዊ ኣገባብን ከምኡውን ነፍስወከፍ ሃገር እትጠልቦ ሕጋዊ ቅጥዕታት ኣማሊኡ፤ ንኤርትራዊያን መንእሰያት በቲ ሓደ ሸነክ ድማ ኣብ ስደት ንዝተወልዱ ህጻናት ምስ ሃገሮምን ሕዝቦምን ብኤርትራዊ ባህልን ታሪክን፤ስነ ምግባርን ዘራክብን እሙናት፤ንቁሓት፤ውፍያት፤ኣክበርቲ ሰማእታቶምን ኣፍቀርቲ ሃገሮምን ዝቦምን ኮይኖም ክርከቡ ብሉዑል ሃገራዊ ፍቅሪ ዝሃንጽን ዝጥርንፍን ሃገራዊ ቤትምህርቲ ውዳበ ኤርትራዊያን መንእያት ኣብ ስደትዩ።

እዚ ውዳበ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ስደት እንተ ዘይሕሉ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትን ህጻናትን ክወርድ ዝክእል ሃስያ መዳርግቲ ኣይም ተረክቦን ስለ ሓያል ውዳበ ግን እንሆ ኤርትራዊ መንእሰይ ምስ ሃገሩን ህዝቡን ሱጡም ርክብ ፍጢሩ፤ ኣብ ኩሉ ሃገር ንክብራ ኣብ ትጠልቦም ሃገራዊ ዕማማትን መከተን ንገበርቲ እከይ ቅስሞም ዝሰበረን፤ ንጠላማትን ዕሱባትን ደቂ ሃገር ድማ ኣብ ክወጽዎ ኣብ ዘይክእሉ መሪር ጣዕሳ ዝሸመመ ሓያል ዕማም ዓሚሞምን ይዓሙን ኣለው።
እቲ ዝገርም እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ መንእሰይ ለይትን ቀትርን ብዘይ ጻማ ኣብ መደባት ልምዓት ክሰርሕ ከሎ ብተመሳሳሊ ኣባላት መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ብዘይ ዝኮነ ይኩን ጻማ ኣብ ኩሉ ግንባራት መከተ መሪሕ ተራ ኣብ ምብርካት ምህላዉዩ።

እዛም መንእሰያት እዬም ከኣ ምስቶ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ልምዓትን ህንጸትን ምክልካልን ሃገር ተዋፍሮም ዘለው መንእሰያት ብምኳን መሪሕነት እዛ ሃገረ ሰማእታት ዝኮነት ኤርትራ ዝመርሑን መብጽዓን ለበዋን ሰማእታት ንዝንተእለት ናብ መጻኢ ወሎዶታት ዘሰጋግሩ።

ነዚ ዝተገንዘቡን በዚ ሓያልን ዘይስገርን ውዳበ መንእሰያን ህግደፍ ከይደቀሱ ዝሃድሩ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን ከዳዓትን ነቲ ወትሩ ምስ ከውሒ ዘራጽሞም ውዳበ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ምጽላምን እተኮኖሎም ንምብታኑ ንዘይሰልጦም እንቕዓ ዝርህጹን ዘለው።

እቲ ዘሕዝን ግን በቶም ህዝብን፤ መንግስትን፤ ግንባርን ኤርትራ ብከቢድ ገበንን ስርቅን ብዝደልዬም ውሑዳትን ከዳዓትን ኤርትራዊያን፤ ነዞም ብሌን ዓይኒ ህዝቦምን ሃገሮምን ሰማእታቶምን ዝኮኑ መንእሰያት ህግደፍ ምስ ውዳበ “ኣዶልፍ ሂትለር ” (ናዚ) ከመሳስሉን ገለ ለዋሃት እንተ ረከቡ ከደናግሩ ክትርእን ክትሰምዕን ከለካ ኣብ ዘለናዬ 21 ክፍለ ዘመን፤ ብድኩም ኣተሓሳስብኦምን ጥልመቶምን ገበኖምን ነታ ንምንባር ዘጽልኦምን ናብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ሕንባሻ ኮሎ እምኒ ብኣትሓሳስባ ዝተመልሱ ፍጡራት ምኳኖም’ዩ።

እንተ መንእሰያት ህግደፍ ግን ህዝብን መንግስትን ግንባርን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባር ንሓንቲ ካሊኢት ውን ንኩን ንጸላእትን ከደምቶምን ካብ ምምካት ድሕር ኣይክብሉን ኢዬም።