jpg23

ጀኔቭ ዝብል ስም ክልዓል እንከሎ፡ ዝበዝሕ ነዛ ከተማ ዝፈልጥ ሰብ፡ ነታ ቃል ምስ ሰላም ወይ ምስ ጽሬትን ስነ- ስርዓትን’ዩ ዘተኣሳስራ። ብፍላይ ድማ ምስ ሰላምን ርግኣትን። ከመይ’ሲ ነዛ ከተማ ብዛዕባ ጸጥታኣ፡ እተአንግዶ ናይ ሰላም ዋዕላታት ብዙሕን ኣቓልቦ ዝስሕብን ስለዝኾነ። እዚ ጥራሕ’ውን ኣይኮነን።

ሃገረ ስዊዘርላንድ ብሓፈሻ፡ ካብ መፋርቕ 18 ክፍለ-ዘመን ጀሚራ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ኢዳ ዘይትመልስን፡ ኣብ 2002 ዓ.ም. ማለት እቲ ጉዳይ ብድምጺ ህዝቢ ክሳብ ዝውሰን – ከም ካልኦት ሃገራት ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይነበረትን’ያ።

ክሳብ ሕጂ ድማ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣይኮነትን። እዛ ሃገር ከም’ዚ ምስሊ ብምሓዛ፡ ኩሉ ኣብኣ ዝግበር ኣህጉራዊን ዓለም-ለኻውን ዋዕላታት ሰላም፡ ብቕንዕናን ብፍትሕን ዝካየድ ዝመስለና ብዙሓት ገርሀኛታት ክንህሉ ንኽእል ኢና። እቲ ሓቂ ግን፡ እታ ሃገር ድኣ’ያ ብኸምኡ ተመሪጻ እምበር፡ እቲ ኣብኣ ብስም ኣህጉራዊ ዋዕላ ይኹን ሰብኣዊ መሰላትን ርግኣትን ዝግበር ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ኣብ ኣዝየን ድኻታትን ዘይማዕበላን ሃገራት፡ ንቕድሚት ንኸይስጉማን እናተሓመሳ ንኽነብራን ብዝደልዩ ወገናት ናይ ጥፍኣት ዋዕላ ዝግበረላ ከተማ ምዃና’ውን ምዝካር የድሊ።

ንኤርትራ ሓንቲ ካብ ግዳያት ንምግባራ ድማ፡ ብስም ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፡ ብመንገዲ ‘መሪማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት’ ዝጽዋዕ ጉጅለ ክሲ ቀሪቡላ’ሎ። እዚ ብቀንዲ ጸላእቲ ኤርትራ ዝኾናን ብዶብ ኣመኽንየን ምስ ኤርትራ ኩናት ዝገጠማን ክገጥማ ዝደልያን ጎረባብቲ ሃገራት ዝቐረበ ክሲ፡ መሰረት ዘይብሉን ዝኾነ ኣኽባሪ-ሕጊ፡ ነቲ ጉዳይ ርእዩ መርሚሩ ናብ ክሲ ንኽሰጋገር ከሕልፎ ዘይክእልን ውጹእ ጠቐነን ጸለመን’ዩ። ገለ ካብ’ቲ እቲ ጉጅለ ቀሪቡኒ ዝብሎን ባዕሉ ከወዓውዖን ከቃምሞን ዝውዕልን ሕሱር ‘ክሲ’ ምስ እንርኢ፦ ‘መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ፡ ተኩስካ ቅተል፡ ጃምላዊ ምግሳስ- ደቀንስትዮ፡ ጃምላዊ ምስግጋር ደቂ- ኣዳም. . ኮታ ክትሰምዖ ዘሰቅቕ ግፍዕታት ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ፈጺሙን ይፍጽም ኣሎን።’’ ዝትሕዝትኡ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝራት ክሲ ኣቕሪቡ’ሎ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ህዝቢ፡ ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 50’ታት ዝተጠልመ፡ ብስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚ’ዚ ውድብ ከም ሕሱም ዝተቐትለ፡ ዝተኣስረ፡ ንብረቱ ዝተዘምተ፡ ዝተገፍዐ እዩ።

ግፍዕን ሕሰምን ኣጸቢቑ ብግብሪ ዝርኣየን ዝጸረን ህዝቢ ስለዝኾነ ድማ፡ ልዕሊ ዝኾነ ህዝቢ፡ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰል ብቐዳምነት ዝቃለስን ብዛዕባ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት መብርሂ ዘየድልዮን’ዩ። ግፍዕታት ተጻዊሩን መኪቱን፡ ኣብ መወዳእታ ብሓይሊ ብረትን ድምጺ ህዝቢ ብመንገዲ ረፈረንደምን፡ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝስማዕ ንዝገበረን ከም መሪሕ ብምዃን ናጽነት ዘምጽአን ናይ ትማሊ ህዝባዊ ግንባር፡ ናይ ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ እውን፡ ‘ካብ ፈለማ ሓርነት ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘይተኣደነ ግፍዒ ይፍጽም ኣሎ’ ክትብሎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምንዓቕን ንልኡላውነት ኤርትራ ምምርሳሕን ጥራሕ’ዩ።

እዚ ዝግበር ዘሎ ናይ ጠቐነ- ዘመተን ምስይጣንን፡ ንመንግስትን ህዝብን ኤርትራ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ 2009፡ ኣብ 2011. ‘’ኤርትራ፡ 2000 ሰራዊት ኣብ ሶማል ኣእትያ፡ ንኣልሽባብ ትሕግዝ ኣላ’’ ብዝብል ጠቐነ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ብኣስገዳድ ኣሜሪካ ዝተበየነልና ማዕቀብን እገዳን ናይ ቀረባ ተዘክሮ’ዩ።

እቶም 2000 ዝተባህሉ ሰራዊት ኤርትራ ድኣ ኣበይ ኣተዉ? ኣብ’ቲ ተሳቲፎሞ ዝብሃል ውግእ’ከ፡ ከም ጭብጢ ንምስክር ዝቐርብ፡ ዝሞተ፡ ዝተማረኸ፡ ዝቖሰለ፡ ኣርይከብን ድዩ? ምስ ግዜ፡ እቲ ሓቂ ኩሉ ፈሊጥዎ’ዩ። ሕጂ’ውን እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ፡ ከም ካልኦት ክስታት ክብርዕን’ዩ።

ንግዚኡ ግን፡ ንገለ ሰባትን ገርሀኛታት ውድባትን ሃገራትን ከታልሎም ይኽእል’ዩ። ነዚ ሸርሒ ንምቅላዕን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝፍጸም ዘሎ ገበናት ንምኽዋልን፡ ብስም መርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ንዝግበር ተውስኦ ጠቐነ ንምፍሻል ድማ’ዩ ወከልቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ኣስታት 10 ሽሕ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ካናዳን ካልኦት ሃገራትን ብ21 ሰነ 2016 ኣብ ጀኔቫ- ስዊዘርላንድ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ። እዞም ካብ ሃገራት ሽወደን፡ ዴንማርክ፡ ኖርወይ፡ ጀርመን፡ ቤልጁም፡ ስጳኛ፡ ፈረንሳ፡ ኦስትርያ፡ ሆላንድ፡ ኢጣልያ፡ ብሪጣንያ፡ ስዊዘርላንድ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካናዳን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ኤርትራውያን፡ እቶም ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንምስታፍ ካብ 60 ክሳብ 80 ዝበጽሓ ኣውቶቡሳት ተኾናቲሮም ገሊኦም ንክልተ ሰለስተ መዓልታት ዝተጓዓዙ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ብነፈርቲ ናብቲ ቦታ ዝመጹ’ዮም።

ኩላቶም ከም ደቂ ሓንቲ ኣደ ድማ፡ ሃገራዊ ባንዴራ ኤርትራን ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዘለዎም ኩነኔ ዝገልጽ ጭርሖታትን ብምሓዝ፡ ካብቲ ዝተኣኻኸበሉ ቦታ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲን ፈረቓን ከም ጻጸ መመስርዖም ሒዞም ብዓውታ እናጨርሑን ምኽንያት ሰላማዊ ሰልፎም ዝገልጽ ናይ ጽሑፍ ብሮሸራት ብምዕዳል ንክልተ ኪሎ-ሜተር ዝኸውን ብሰልፊ ተጓዒዞም፡ ናብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት በጺሖም። ንውሓት ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ልክዕ ከም ገበል ዝተምዘግዘገ ኮይኑ፡ ኣስታት ሓደ ኪሎ-ሜተርን ፈረቓን ይበጽሕ። እቲ ናይ መጀመርያ ሰልፊ ኣብ ቀጽሪ መደበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክበጽሕ እንከሎ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ጭራኡ ዳርጋ ኣብቲ መበገሲ ቦታኡ’ዩ ነይሩ።

ኩሉ ተሳታፋይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብቲ ቀጽሪ ምስ በጽሐ፡ እቲ ስነ-ስርዓት ተጀሚሩ። ኣቦ-ወንበር ኣወሃሃዲት ኮሚተ ናይ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣቶ ሲለሺ እድሪስ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን መሰረት ዘይብሉን፡ እኳ ድኣ ነዚ ክሲ ዘቕርቡን ዘሳስዩን ዘለዉ ወገናት ንባዕላቶም ብዝተፈላለየ መንገዲ ንዝፈጸምዎ ገበናት ንምኽዋልን ንምሽፋንን ከምዝምሃዝዎን፡ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ነዛ ናጻ ኤርትራ ብቑጠባ ይኹን ካልእ ናብ ድሕሪት ብምምላስ ህላዌኣ ንምፍትታን ዝኣለምዎ ውዲት ምዃኑ ገሊጹ።

ነዚ ንምቅላዕ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ድማ ብፍላይ ነቒሑ ክምክቶ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ኣብቲ ዕለት፡ ቃል ናይ ወከልቲ ሃማደኤን ሃማመተኤን፡ ከምኡውን ናይ መሓዙት ኤርትራ ክቐርብ እንከሎ፡ ሃገራዊ ወኒ ዝቕስቅስ ደርፍታትን ግጥምታትን’ውን ብብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ተቐማጦ ኤውሮጳ ቀሪቡ።

ኣብ ፊት ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰልፈኛታት ንኽልተ ሰዓታት ተቓውምኦም ብዝተፈላለየ ቋንቋ ብዓውታ ምስ ጭርሖታቱ ድሕሪ ምግላጽ፡ ክልተ ካብ ወከልቲ መንእሰያት ተዳልዩ ንዝጸንሐ ሸውዓተ ገጽ ንዝሓዘ ዝርዝር ተቓውሞኦም ዘብርህ መዘክርን፡ ልዕሊ 200 ሽሕ ክታምን ኣድራሻን ናይ ኤርትራውያን ተቐማጦ ኤውሮጳን ዘነጽር ወረቓቕቲ ኣቕሪቦም።

እቶም ወድን ጓልን ክልተ መንእሰያት፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ውድብ ኣትዮም ሰነዳቶም ምስ ኣረከቡ ናብቲ ዝጽበዮም ዝነበረ ሓፋሽ ሰልፈኛታት’ዮም ተመሊሶም። እቲ ኩሉ ዝተባህሎም ድማ ነቲ ህዝቢ ሓቢሮም። ሓደ ካብቶም ልኡኻት ዝነበረ መንእሰይ ሲራክ ባህልቢ ከምዝበሎ፡ ካብቶም ንወረቓቕቶም ዝተቐበሉ ሰባት፡ “ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ከተካይዱ ክንደይ ተኸፊልኩም?” ዝብል ሕቶ’ዩ ኣቕሪቡሎም። “ንሕና ኣብ ጀኔቭ . . . ? ኤፍሬም ግደ ዝተኸፈልናዮ የብልናን። ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካን ካናዳን ብስደት እንነብር ኤርትራውያን፡ ሃገርና ብዘይምኽኑይ፡ ብገበን ትኽሰስ ስለዘላ፡ እቲ ሓቂ ከነጉልሕ ኢና ብወጻኢታትና፡ ኣውቶቡሳት ተኻሪና፡ ስራሕና ገዲፍና ንብዙሕ ሰዓታትን መዓልታትን ተጓዒዝና መጺእና ዘለና።

” ክብሉ ከምዝመለሱን፡ ንሱ እቲ ሓታታይ ጉዳዩ ስለዝኣገሞ ደጊሙ ከምዚ ክብል ከምዝሓተቶምን የብርህ።

“ኣነ ንሰላማዊ ሰልፊ ክብል ብገንዘበይ ጉልበተይን ድኻመይን ከምዚ ናትኩም ስጉምቲ ኣይምወሰድኩን” ብምባል ከምእተገረመን፡ ንሳቶም እቶም ክልተ መንእሰያት ብወገኖም፡ “እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ንስኻትኩምን ዘሎ ፍልልይ እምበኣር እዚ’ዩ።

ንሕና ንሓቂ ክንሞተላን ክንደኽመላን ንኽእል።

ምእንቲ ሃገርና መስዋእቲ ክንከፍል’ውን ድሉዋት ኢና። እዚ’ዩ እቲ ኣብ ናታትኩምን ኣባናን ዘሎ ፍልልይ።” ብምባል ከምዝመለሱሉን ገሊጾም። መልሲ ናይቲ ዘቕረብዎ ወረቓቕቲ ብኸመይ ከምዝመጽእ ኣብ ዝተወከሱሉ ድማ፡ ንኣቦ-ወንበር ቤት-ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ክህብዎ ምዃኖም ከምዘረጋገጹሎም ሓቢሮም። ብድሕሪ’ዚ እቲ ካብ’ታ እናተኻፈልካ ምምጋብ ዝርኣየላ ሃገረ-ኤርትራ ዝፈረየ ኤርትራዊ፡ በብመንገዱ ሒዝዎ ዝመጸ ቅጫ፡ማይ፡ እንጀራን ጸብሒን እናተማቐለ፡ ከምኡ’ውን ንግዚኡ በብጉጅለ ንኣገልግሎት’ቲ ሓፋሽ ሰልፈኛ ዝቖማ ግዝያውያን ናይ መግቢ መዐደሊ ትካላት ብሕሱር ዋጋ ከብዱ ድሕሪ ምዕንጋል፡ እቲ 10 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ፡ ንውሽጢ ከተማ ከይኣተወ ዝኽሪ- ሰማእታቱ ብምክያድ፡ ንከተማ ጀኔቭ ሕቖኡ ብምሃብ ነናብ ዝመጸሉ ሃገራት፡ ገሊኡ በተን ዝመጸለን ኣውቶቡሳት፡ ገሊኡ ድማ ናብ መደበራት ባቡርን መዕርፎ ነፈርትን’ዩ ኣምሪሑ።

ኣብቲ እዋን ሰልፊ ዝተራእየን ዝነበረን ሃገራዊ ወኒ፡ ኣብ ወራር ወያነ ንዝነበረ ኩነታት ክተት ዘዘኻኽር’ዩ። ንነፍሲ ወከፍ ዝሓተትናዮ ተሰላፋይ፡ “ድሕሪ ደጊም፡ ብቓልስን መስዋእትን ዝተረኽበት ሃገረ-ሕድሪ ንምውሓሳን ቀጻልነታ ንምርግጋጽን፡ ናብራ ኤውሮጳ ገዲፍካ ናብ ሃገር ምእታውን ዝግብኣካ ምግባርን’ዩ” ዝብል’ዩ ነይሩ። እንተ ብዛዕባ’ቲ ተፈብሪኹ ዘሎ ክሲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ግን “ክበልዕዋ ዝደለዩ . . ዛግራ ይብልዋ” ምዃኑ ኩሉ ተሳታፋይ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣይሰሓቶን።

ኣዳላዊ ; ኤፍሬም ግደ