bO5hEjT6H56x

ኩልና ከም እንፍልጦ ኤርትራ ናይ ሓድጋ ግዜ ኣዋጅ እንተ ዘይኣወጀት ኣብ ፍታኒ ኣብ ትሕቲ ፖለቲካውን ወትሃደርውን ተጻብኦን መጥቅዕትን ከም እትርከብ ስጋብ እዛ ስዓት ቡሉጻት ደቃ ንድሕነት ሃገር ትከፍል ከም ዘላ ኑጹር’ዩ።

ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኩነታት እምብኣር ናይ ነፍስ ወከፍ ዜጋ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ዝኣመነ ይእመን ዝተፈልየ ኣትሓሳስባ ይሃልዎ ዜግነታዊ ግዴቱኡ ብመንጹሩ ዘይየካትዕን ንጹር’ዩ።

ኣብ ዝሓለፍ 15 ዓመታት ብፍላይ ንሕዝቢ ኤርትራ ንምንዕዓብ ስጋብ መንግስቲ ንምግልባጥ ዝተካየዱ ሽርሕታትንን ውዲታትን ማእለያ የብሉን ።

ብገንዘብን ሰናይ ፍቃድ መንግስትን ሕዝብን ኤርትራ ብስራሕ፥ትምህርቲ፥ሕክምና ወዘተ ንወጻኢ ሃገራት ዝተላእኩ ውዕለት ሕዝብን መንግስትን ኤርትራ ረሲዐም ኣብ መፍንጠርያ ዊዲት ጽላእቲ ኣትዮምን ትዓስቦምን ኣብ ቁጠባን ስላምን ምርግጋእን ሕዝቢ ኤርትራ ሓስያ ዘውረዱን መጋበርያ ኮይኖም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡን ገበን ፍጸሞም ዘምለጡን ዜጋታት ኤርትራ ጉዳዮም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቀርብን ጉቡእ ፍርዲ ክረክቡ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ወሽጥን ወጻእን ዝነብር መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድን ጉዳዮም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከቅርቦ ብተድጋጋሚ ክጽውዕ ጸንሑን ኣሎን።

መንግስቲ ኤርትራ ብስድራቤታዊ ዓይኒ ብምርኣይ ናይ ሕዝቢ ጽዊዒት ሸለል እንተ ዘይበሎ ዓቃል ኣትሕዛ ገሩሉ ጽንሑ’ዩ።

ሕጂ ግና እዞ’ም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብሙካን ካብ ትሓታትነት ዘምልጡ መሲልዎም ኣብ ልዕሊ ሕዝብን ሃገርን ታሪክን ድሕነትን ልሉኣ ላውነት ኤርትራ ኣብ ክድዓት ወፊሮምን መጋበርያ ኮይኖም ኣብ ሓደጋ ዘውድቁ ዘልዉ ገበነኛታት ዜጋታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብኣካል ይኩን ጉዳዮም ቀርቡ ጉብእ ፍርዲ ዝረክብሉ ዝጽንሓ ሕቶ ሕዝቢ ዝምለሰሉ ግዜ ዝኣከለ ይመስል።

ኣብ’ዚ ዝልዓል መጀመርያ እቶም ብጂ 15 ዝፍለጡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ይቅረቡ ዝብል ስንኩፍ ሞገተ ኣብ ኣእምሮኦም ዘበግሱ ይሕልው ይኮኑ እንተኮነ ነዚ ንጹር መልሲ ብምንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዕሱማን ሳልሕ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ፈረንሳ ምስ ሜዲያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ ምሕተት ኣንጽርዎ’ዩ “እዞም ስባት ብፖለቲካዊ ውሳነ ስለ ዝታስሩ ግዚኡ ምስ ኣከለ ብፖለትካዊ ውሳነ ክልቀቁ’ዮም ክብል ንጹር መልሲ ሂቡ’ዩ ኣብ’ዚ ዘዛርብ የብሉን ንሱ’ ዩ ድማ ክከውን።

ኣብ’ዚ ንሕና ከም ኤርትራዊ ሃገራዊ ኣብ ደገ እንርከብ ሜድያ ሞያውን፣ ሞራልውን፥ ሕጋውን፥ ሓላፊነት ኣሎና ብፍላይ መንእስያት ኣብ ዘይፍልጥዎ ጽባሕ ኣብ ዘይወጽዎ ገበን ከይኣትው ሓዘን ገዛእ ርእሶምን ወሎዶምን መላእ ስድራቤቶም ከይኮኑ ከለው ክንሕብር እዋኑን ጉቡኡናን ብምካኑ ሓደን ኣገዳሲ ሓበሬታ ከነምሓላልፍ ንደሊ።

ብፍላይ ንመንእስያት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ካብ’ዞም ጽባሕ ብዝከበደ ገበን ከም ዝሕተቱ ድሮ ፍልጦም መናበሪ ስደቶም ክገብርኩም ላዕልን ትሕትን ዝብሉ ዘለውን መሳርሕን ምንጪ እቶቶም ምናበሪኦምን ክገብርኩም ኣንቂዶም ዘልው ብፍላይ ኤርትራዊያን ምካኖም ካብ ዝተርጋገጹ ዜጋታት ተጠንቀቁ ።

ሓንሳብ ሓደ ስብ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብቤት ፍርዲ ንዝቀርበሉ ጻዊዒት ሸለል ኢሉ ኣብ ዘይተርከበሉ ፍርዲ ምስ ዝሓልፍ እቲ ፍርዲ ክትግበረሉ ዝክእል ሓያሎ ሕጋዊ ዓለም ለካዊ ኣገባባት ኣሎ ።

ገበንኛ ዝተባሕለ ናብ ቤት ፍርዲ ይረከብ ኣይረክብ ሓንሳብ ብዝፍጸሞ ገበን ገበንኛ ሙካኑ ታኣሚንሉ ፍርዲ ምስ ዝሓልፍ እቲ ውልቀስብ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ስጋብ ዝተበየነሉ ምቅጻዕቲ ዝፍጽም ኣብ ዝኮነ ፖለቲካዊ ፥ ማሕበራዊ ፥ ቁጠባዊ ወዘተን ከምኡ ወን ኣብ ነጻ ማሕበራት ፥ ፖለቲካዊ ውድባትን ትካላትን እታ ሃገር ክሳተፍን ወይ ክመርሕን ሕዝቢ ክውክልን ሕጋዊ ባይታን ተቅባልነትን ይብሉን።

ነዚ ጽሑፍ ኣይትእመኑ ኣንብቡን ሕተቱን ሽዑ ክበርሃልኩም’ዩ ሽዑ መገድኩም ክትጸርጉ ኢኩም ንዓኩም ክጥዕመኩም።

እዚ ሓበሬታ ጉስጋስ ኣይኮነን ጽባሕ እዞም ገበኛታት ኣብ ዝሃለው ይሃልው ዝምስረቶም ክስን ዝውሃቦም ፍርዲ ክትስምዕዎ ኢኩም ወላ ግዜ ውስዶም ብእርጋን ይኩን ሕማም ወን ሞይቶም ንዘይምለሱ እንተ ኣምለጡ ፍርዶም ምስኦም ክቅበር’ዩ።

ዘመናዊ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ክድዓት ኣብ እዋን ትኣፋፊ ኩነታት ፥ ምትሕብባር ምስ ጸላኢ ፥ መጋበርያ ሽርሕታት ኣብ ዝብል ክሲ ብቀዳማይን ካልኣይን ዝከበደ ገበን ዝርኤ ኮይኑ ገበንኛ ኮኦይኑ ንዝተርክበ ከከም ኩንነታት ክብደት እቲ ገበን ካብ 16 ዓመት – 27 ዓመት – ስጋብ ሕልፈትን ናይ ሞት ፍርድን ዘስዕብ ከቢድ ገበን ምካኑ ብንጹር ኣስፊርሎ።

ስለዚ ኣብ ወጻኢ ስለ ትነብር ካብ ትሓታትነት ምምላጥ ዝክኣል ኣይኮነን እዚ ድማ ኣብ ኩሉ ሃገራት ዝስርሓሉ ኣገባብ’ዩ ድሕሪ ፍርዲ ናቱ መስርሕ ኣለዎ።

እዝን ካልእን ዘጠቃለለ ዘመናዊ ሕጊ ኤርትራ ኩሉ ንክፍልጦ ብትግርኛን ፥ዓርበኛን እንግሊዘኛን፤ ተዳልዩን ተዘርጊሑ ድሮ ካብ ዜጋታት ሓሊፉ ናብ ኩለን ሃገራት ተዘርጊሑ’ሎ።

ስጋብ እዚ ዘመናዊ ሕጊ ገበናውን፥ ሲቪላውን፤ ንግዳውን መጽሓፍቲ ኣብ ወጻኢ ንዝርከብ ዜጋ ኣብ ኢዱ ዝበጽሕ ምስ ዘመናዊ ሕጊ ሃገሩ ንክላለ ኣብ ፈነው ረድዮ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ብቀጻሊ ንዝርግሓ ዘሎና።

ምናልባት ሂማን ራይት ራፖርተር ኣብ ኤርትራ ሕጊ የለን ዝብል ጽብጻብ እንተስፈሩ ናይ ገዝእ ርእሶም ፖሊትካዊ ዕላማ ኣሎዎም ኣብ ኤርትራ ግን ሕጊ ጥራይ ዘኮነ ንኩሉ ኤርትራዊ ክብርታትን ዝተከፍለ መስዋእትን ኣብ ግምት ዘእተወ ሙዕቡልን ዘመናውን ሕግታት ኣሎ።

በዚ ጽብጻብ ሂማን ራይት ራፖርተር ገለ የዋሃት ተደዓዕሶም ነቲ ጽብጻብ ዝደግሙ ኣይሳኑን ግን ሓደ ከነስትውዕሎ ዘሎና እቲ ዝቀረበ ጽብጻብ መንግስቲ ከም ዘሎዎ ናብ ሕዝቢ ኤርትራ ወላ ናብቲ ርሑቅ ገጠራት ከይተረፈ ንቅሓትን መከተን ሕዝቢ ክብ ንክብል ዘርጊሕዎ’ዩ ።

እቲ ጽብጻብ ብሕዝቢ ኤርትራ ዝተፍልጠን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ብመንግስቲ ዝተፍጸመ እንተኮይኑ ሓቂ ስለ ዝኮነ መንግስቲ ንምንታይ ናብ ሕዝቢ ይዝርግሖ? ግን ሓሶት ብምካኑ ሕዝቢ ክነቅሓሉ ስለ ዝግባእ ናብ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጽእን እቲ ዝብሃል ዘሎ ተዘርግሑ ጽብጻብ ሂማን ራይት ራፖርተር ድማ ብሕዝቢ ኤርትራ ተካዕቡ።
እዚ ወድሓንኩም