jAt1sYp0WV5b

ሜሪ ሃርፐር፡ ጋዜጠኛን ጸሓፊትን ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ቢቢሲ’ያ ካብ 1990 ኣትሒዛ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምጋሽ ጸብጻባት ኣመሓላሊፋን ዝተፈላለዩ ዓንቀጻትን መጻሕፍትን ኣበርኪታ’ያ። ሜሪ ሃርፐር፡ ብዘይካ ኣብ ቢቢሲ፡ ኣብ ካልኦት ማዕከናት ሜድያ’ውን ጽሑፋት ተበርክት’ያ። ኣብ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ድሕሪ ምስታፋ፡ ጋዜጠኛ ፕሮፋይል ቢልዮን ተመስገን ምስኣ ሓጺር ጻንሖት ገይራ ነይራ። ትርጉሙ እንሆ።

ኤርትራውያን ብዛዕባ ሃገሮም ትስፉዋት’ዮም

ብኹሉ መለኪዒታት እሙን መልስታት ከም ዝረኸብኩ ርግጸኛ’የ። እቶም ዘዘራረብክዎም ሰባት፡ ብዛዕባይ ኣፍልጦ ኣይነበሮምን። ኣባላት ቢቢሲ ምዃንና ባዕልና ኢና ነጊርናዮም። ገለ ሕቶታት ክንሓቶም ብትሕትና ምስ ተወከስናዮም፡ ብዘይ ስክፍታ’ዮም ኣብ ቅድሚ ካሜራና ደው ክብሉ ድልዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾምልና። ምሳና ዝኾነ ተርጓሚ ወይ’ውን ዝተሓባበር መንግስታዊ ሰራሕተኛ ኣይነበረን። ኣነን እቲ ናተይ ሰኣላይን ጥራይ ኢና ነይርና። ኣብ ዝተፈላለዩ፡ ቦታታት ኤርትራ በጺሕና ምስ ዝተፈላለዩ፡ ሰባት’ውን ተዛሪብና ኢና። ኩሎም ድማ ብዛዕባ ኤርትራ ሃገሮም ኣወንታዊ ዝኾነ ነገራት’ዮም ተዛሪቦም። ዋላ’ኳ ብድሆታት ከም ዘሎ እንተሓበሩ። ብፍላይ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ። ዝተፈላለዩ ሓሳባት’የ ረኺበ። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ልዑል ክብርን ሓበንን ከም ዘለዎም ክዕዘብ ክኢለ።

ናጻ ኮይነ’የ ስርሐይ ፈጺመ

ምስ መን ከም ዝዘራረብ ብፍጹም ኣይተነግረንን። ከም ጋዜጠኛ መጠን፡ ናጻ ኮይነ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ኩሉ ጾታን ዕድመን፡ ባዕለይ ዝመረጽክዎም፡ ምስ ብዝሕ ዝበሉ ሰባት ክራኸብ’የ ፈቲነ። ብኻልእ ኣካል ዝተዋህቡኒ ኣይነበሩን። ኩሉ ብናተይ ምርጫ’ዩ ነይሩ። ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት’የ ተዘራሪበ። ምስ ኣብ’ቲ ጽምብል ንምስታፍ ካብ ወጻኢ ዝመጹ መንእሰያትን፡ ካብ ስደት ጠቕሊሎም ናብ ሃገሮም ብምምላስ ናብርኦም ዝመርሑ ዘለዉን። ምስ ተራን ክሳብ ዝለዓሉ ሚኒስተራትን ሓለፍቲ መንግስትን ርክባት ነይሩኒ። ገለ ጋዜጠኛታት ኣብ ኤርትራ ቀይድታት ይፍጸመልካ’ዩ ክብሉ ሸሃብ ኣርኣያ “ኣብ መርበባት ሓበሬታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ክዛረብ ክሓስብ’ውን መሰል የብሉን ዝብል ኣንቢበ – ከም ትዕዝብተይ ግን. .” ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሰሚዐ’የ። ቅድሚ ሕጂ ከም’ዚ ዓይነት ተመኩሮ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙኒ ነይሩ’ዩ። ጋዜጠኛታት ከም’ዚ ዓይነት ጸቕጢ ኣብ ብዙሓት ሃገራት የጋጥሞም’ዩ። ብወገነይ ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ኩነታት ምስራሕ ኣይቅበሎን’የ። ዝኾነ ኣካል መንግስቲ ኣብ እዋን ስራሕካ ይከታተለካ እንተሎ ብጋህዲ ክትቃወም ኣለካ። ኣብ’ዚ ናይ ሕጂ ናብ ኤርትራ ዝገበርክዎ ምብጻሕ ይኹን ቅድሚ ሕጂ ዝመጻእክዎ ንምንቅስቓሰይ ዝገትእን ክገብሮ ዝግበኣኒ ዝሕብርን ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣይነበረን። ሰለ’ዚ እየ ድማ ተተባቢዐ ንኽሰርሕ መደባተይ ከውጽእ ዝድረኽ ነይረ። ከም ልሙድ ጸብጻብካ ከተሕልፍ ናብ ዝኾነት ሃገር ኣብ እትገሸሉ እዋን ናይ’ታ ሃገር ጋዜጠኛ ከም ኣሳማዒ ኮይኑ ምሳኻ ይንቀሳቐስን ንጉዳያትካ የሳልጥን’ዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ኣነን እቲ ናተይ ሰኣላይን ጥራይ ኢና ነይርና። ባዕላትና ጉዳያትና ነሳልጥን ናብ ዝመደብናዮ ንበጽሕን። ምሉእ ናጽነት’ዩ ተዋሂቡኒ ክብል እኽእል። መብዛሕትኡ እዋን በይንና ብምዃን ኢና ሓበሬታ ንምእርር ዝነበርና – ኣቐዲሙ ዝተዳለወልና መራሒ ጉዕዞ ኣይነበረን። እዚ ኣብ ልዕሊ ዕማምና ገለ ክብደት ነይርዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ግን ብዙሕ ዘይትሓስቡ ነገራት ነይርዎ። ከም ርእይቶይ ድማ “እቲ እምነት ዝመልኦ ጋዜጠኝነት’ዩ” ክብሎ እደፍር።

ንፖሊሲ ኤርትራ ኣድኒቐ

ኣብ ብዙሕ ቦታታት በጺሐ እየ። ናብ ከረን፡ ቢሻን ዝተፈላለያ ከተማታትን ዓድታትን በጺሐ። ኣባይቲ ምህናጽ ዝተባባዕ ምዃኑ ተዓዚበ። ንኣብነት ኣብ ምጽዋዕን ካልእ ርሑቕ ገጠራትን ዝህነጹ ዘለዉ ኣባይቲ ርእየ። ብተወሳኺ ኣብ ሕርሻ ገዚፍ ወፍሪ ከም ዘሎን ሓረስቶት ዝግበረሎም ዘሎ ምትብባዕን ተዓዚበ። ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ንርሑቕ ገጠራት ቀዳምነት ዝህብ ብምዃኑ ዝድነቕ’ዩ። ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ርእየ። ዋላ’ውን እተን ብዙሓት ነበርቲ ዘይብለን ዓድታት’ውን ናይ ትምህርቲ ኣገልግሎት ከም ዝረኽባ ተዓዚበ። እንተ ወሓደ ኣብ ሓንቲ ቁሸት ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ኣላ። ኣብ ኤርትራ ዋላ’ኳ ብድሆታት ይሃልው፡ ነቲ ሕማም ኣፍሪቃን ጠንቂ ድሕረታን ዝኾነ ሌላን ጉሌላን ቅድሚ ምስፍሕፍሑ ናይ ምጥፋእ ስምዒት ኣሎ። ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዘሎ ጋግ ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ። ክትዕዘቦ’ውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ውልቃውነትን ብኻልኦት ዘይምግዳስን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ብዙሕ ጸገማት ፈጢሩ ኣሎ። ነዚ ግን ኣብ ኤርትራ ኣይተዓዘብክዎን። ኣብ ኣንጎላ ንኣብነት እኹል ታርፍ ሃብቲ ጸጋታት ኣሎ። እዚ ጸጋ ግን ኣብ ኢድ ውሑዳት ሃብታማት ጥራይ’ዩ ዘሎ። ኣዚዩ ዘሕርቕ’ዩ ድማ ። ሃገርኩም እትኽተሎ ዘላ ኣገባብ ግን ዝድነቕ ኣብነት’ዩ።

ፍልይቲ ተሞኩሮ እያ ኤርትራ

ከም ኩለን ሃገራት ዝተሓላለኸት ሃገር’ያ። ዋላ’ውን ሕጂ ንካልኣይ ግዜ ናብ’ዚ እንተመጻእኩን፡ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ምኩርቲ ጋዜጠኛ እንተኾንኩን፡ ብዛዕባ ኤርትራ እኹል ኣፍልጦ ክህልወኒ ተወሳኺ ግዜ ከድልየኒ’ዩ። ብዝኾነ ግን ብኹሉ ነገሩ ኤርትራ ንዓይ ፍልይቲ ተመኩሮ’ያ። ምኽንያቱ ኤርትራ፡ እታ እንኮ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ብዛዕብኣ ዝዝረብ ምስ ክውንነታ ዘይሰማማዕ ሃገር’ያ። ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ናይ ግሉጽነት ጸገም ኣሎ። ቅድሚ’ቲ ኣብ መጋቢት ዝገበርክዎ ናብ ኤርትራ ናይ ፈለማ ዑደተይ፡ ብዛዕባ ኤርትራ እኹል ኣፍልጦ ክረክብ ልዕሊ’ቲ ዝተዋህበኒ ሓበሬታ ተወሳኺ ጸብጻባት ኣንቢበ ነይረ። ዝበዝሐ ካብኡ እቲ ብመርማሪት ኮሚተ፡ ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣሎ ዝብልን፡ ካልኦት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻባትን ኣንቢበ ነይረ። ኩሉ ድማ ብዛዕባ ኤርትራ ተሪር ኣመለኻኽታ ዘለዎ’ዩ። ነዚ ሒዘ’የ ናብ’ዚ መጺአ። ብመሰረት እዞም ጸብጻባት፡ ኤርትራ መንእሰያት ዘይብላን፡ ኩሎም ዜጋታታ ኣብ ማሕዩር ዝነብሩላ ናይ ስቓይ ሃገር’ያ። ኣብ ሓደ ጸብጻብ ከም ዘንበብክዎ ህዝቢ ኤርትራ ኣሽንኳይ’ዶ ክዛረብ ናይ ምሕሳብ መሰል’ውን የብሉን ዝብል ነይሩ። ናብ’ዚ ምስ በጻሕኩ ግን፡ ኤርትራ ዋላ’ኳ ውልቃዊ ጸገማት እንተለዋ፡ ነቲ ሰፊኑ ዘሎ ግጉይ ርድኢት ዝኣልዩ፡ ብዙሓት ክንገሩ ዝግብኦም ኣወንታውያን ነገራት ኣብ ምፍጻም ትርከብ ኣላ። ኤርትራ ንመደባታ ብቖራጽነትን ጽንዓትን ትፍጽሞም ኣላ።
እቲ ዘገርም ገለ ክፋል ማሕበረ ሰብ ዓለም ንኤርትራ ከም ቀሊል ዒላማ ምምራጾም’ዩ። ኣብ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ሃገራት፡ ሰብኣዊ መሰላት ብዝኸፍአ መልክዑ ብግልጺ ይገሃስ ኣሎ። እዞም ወገናት ግን፡ ነዚ ምስ’ቲ ንኤርትራ ዝኸስሉ ዘለዉ ብተመሳሳሊ ዓይኒ ዘይምጥማቶም ንድርብ ዕያሮም ዝገልጽ’ዩ። ዘደናግር ነገር ድማ’ዩ። ንምንታይ’ዩ ብፍላይ ብዛዕባ ኤርትራ ብኣሰልቻዊ ኣገባብ ዝደጋገም ሓደ ኣርእስቲ ግህሰት መሰላት ክንዲ’ዚ ዝዛረቡ?! ብዛዕባ’ዚ ኣዝየ ተገሪመ ኣለኹ።

ካብ’ዚ መገሻይ፡ ብዙሓት ዝንገሩ ትዕዝብትታት ኣዋህሊለ

ኣስመራ ምስተን ኣነ ዝፈልጠን ካልኦት ከተማታት ኣፍሪቃ እንተ ኣወዳዲርካያ፡ ዘድንቕ ጸጥታን ጽሬትን ኣለዋ። ምስ’ቲ ናተይ ሰኣላይ፡ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን፡ ሰዓት ሕላፍ ብዘይ ስክፍታን ፍርህን ክንቀሳቐሱ ክንዕዘብ እንከሎና፡ ኣዚና ኢና ንግረም ነይርና። ንዓና ዘይልሙድ ነገር ብምዃኑ። እቲ ካልእ ዘደንጸወኒ፡ ኣስመራ እትውንኖ ዘገርም ቅዲ ህንጻ’ዩ። ካልኦት ከተማታት ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ኣለወን። ኣስመራ ግን ፍልይቲ ምዃና ተዓዚበ። ነዚ መለለይኣ ዝኾነ ፍሉይነት ዓቂባ፡ ኣብ መጻኢ መስሕብ በጻሕቲ ክትከውን እትስፎ። እቲ ደጋጊመ ዝዛረበሉ ግን፡ ብዛዕባ ፖሊሲ’ዩ። ከም’ቲ ዝተረዳእክዎ፡ ኤርትራ ንርሑቕ ከባቢታት ቀዳምነት ብምሃብ፡ ምዕሩይ ፖሊሲ ኣብ ምዝርጋሕ ትርከብ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝትግበሩ ዘለዉ ብዙሓት ንጥፈታት ተዓዚበ። ስለ’ዚ፡ ኣብ ክንዲ ንውሑዳት ከተማታት ጥራይ ኣማዕቢልካ፡ ንርሑቕ ገጠራት ምህማሽ፡ ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ዕብየት ብማዕረ’ዩ ዝዝርጋሕ፡ እዚ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ሳሕቲ’ዩ ዝትግበር። ኣብ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ርኡይ ማዕርነት ተዓዚበ።

ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ዝነበሮ ጽምብል

ናጽነት ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ዝድነቕን ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ዝነበሮን ጽምብል’ዩ። እቲ ካርኒቫልን ዝተፈላለዩ መደባትን፡ ብሓፈሽኡ እቲ ዝነበረ ሃዋሁ ስሒቡኒ። ዝኽሪ’ቲ ዝሓለፈ መሪር ናይ መግዛእቲ እዋን ጌና ኣይሃሰሰን ዘሎ። እቲ ታሪኽን ዝኽርን መሲጡኒ።

ናጽነትኩም ብኸቢድ ዋጋ ስለ ዝረኸብኩም፡ ብልዑል ክብርን ልባዊ ተሳትፎን ኢኹም እትጽምብልዎ። ስለ’ዚ፡ ነዚ ረዚን ዝኽሪ ብሓጎስ ምጽምባሉ ፍጹምን ሓያልን ይገብሮ ምስሊ ኤርትራ ብኸቢድ ተደዊኑ ኣሎ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ነዚ ኣብ ማሕበራዊ መርበባት ብዛዕባ

ኤርትራ ዝፍኖ ዘሎ ዝተጋነነ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ክምክትዎ ኣለዎም ትብሊ?

ቅድሚ 20 ዓመታት’የ ሞያ ጋዜጠኝነት፡ ኣብ ቢቢሲ ኣሃዱ ኢለ ፈሊመዮ። ኣብ’ዚ ዘለኽዎ ደረጃ ክበጽሕ ቢቢሲ ዓቢ ተራ ተጻዊታ’ያ።

ቢቢሲ ንኤርትራ ኣትሪራ ከም እትነቅፍ እፈልጥ’የ።

እቲ ሓቀኛን ቅኑዕን ምስልኹም ምንጽብራቕ ግን ስራሕኩም’ዩ። ስለ’ዚ ግሉጻት ኩኑ። ኣበርክቶ ኣብ ምብርካት ኣይትዘንግዑ።
ብዛዕባ ዘለኩም ጽቡቕ ነገራት ብሰፊሑ ተዛረቡ። ፊት ንፊት ምግጣምኩም ዘይተርፈኩም ብምዃኑ፡ ኣብ ርእሰ ምክልኻል ክሕግዘኩም’ዩ። ንግዳማውያን ተዓዘብቲ ብዝተኻእለ መጠን ብዝሕ ዝበለ ርእይቶታት ሃቡ።
ንኣተሓሳስባኹምን ነብስኹምን ተኸላኸሉ። ነቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ርሕቀት፡ ብሃናጺ መንገዲ ከተቀራርቡ ፈትኑ። ኣብ መወዳእታ፡ ከም ርድኢተይ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ንሓቀኛ ታሪኽ ኤርትራ ምሕባር ብኣኹም በቶም መንእሰያት ጋዜጠኛታት ክኽወን ኣለዎ። ብጥበብ ዝተሓወሶ መንገዲ፡ ዛንታኹም ኣቓልቦ ዓለማዊ ማሕበረ ሰብ ክስሕብ ኣለዎ። ምስሊ ኤርትራ ብኸቢድ ተደዊኑ ኣሎ።
ብዓቕምኹም ዝከኣለኩም እንተጽዒርኩም፡ ኪኖ እቲ ምቕሉልን ዘይተጃሃርን ባህልኹም፡ ብርግጽ እቲ ኣብ መርትዖ ዝተመርኮሰ ስልጡን ምስልኹም ከተንጸባርቑ ኢኹም።

ኣቅራቢ ሸሃብ ኣርኣያ