do2bzass9eiq

ሕቶ ዝኸበርኪ ሚኒስተር፡ ብቐጥታ ናብቲ ዝርዝራት ቅድሚ ምእታውና፡ ናይ’ቲ እነልዕሎ ዛዕባታት ድሕረ ባይታዶ ከተትሕዝና?

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ክግለጽ ከም ዝጸንሐ፡ ዕላማን ንጥፈታትን ሚኒስትሪ ፍትሒ ምስቲ ብደረጃ ሃገር ሒዝና ንሰርሓሉ ዘለና ናይ ለውጥን ዕብየትን መደባት ዝሳነን ምስኡ ኣተሓሒዝና ክንርድኦ ዘለናን ኢዩ። ሚኒስትሪ ፍትሒ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ መደብ ርሑው፡ ብቑዕን ስሉጥን ኣገልግሎት ሕጊ ምርግጋጽ ኢዩ።

ርሑውነት ኣገልግሎት ልዕሊ ኩሉ ጅኦግራፍያዊ ዝርግሐ ምህላው ማለት ኢዩ። ህዝቢ ኣኣብ ከባቢኡ፡ ኣብ ዝተወሰነ ርሕቀት ፍትሒ ዝረኽበሉ ትካላት ምውዳድ። ብርሕቀት ቦታ ካብ መሰሉ ዝተርፍ፡ ኣብ ከባቢኡ ናይ ሕጊ ትካላት ስለ ዘይረኸበ ተበዲሉ ትም ኢሉ ዝተርፍ ዜጋ ንኸይህሉ ርሕውነት ንምርግጋጽ ክንሰርሕ ጸኒሕናን ኣለናን። ብካልኣይ ደረጃ ዝጥመት ዕላማ ርሑውነት ድማ ዋጋ ኣገልግሎት ኣብ ግምት ዘእተወ ኢዩ።

ህዝቢ ካብ ዘይተደልየ ወጻኢታት ንምድሓን ኢኻ ኣብ ከባቢኡ ከም ዝግልገል ትገብር። ኣብ ከባቢኡ ትካላት ምስ ኣዋደድካ ድማ ምስ ዓቕሙ ዝዳረግ ክፍሊት ጥራይ ብምኽፋል ኣገልግሎት ከም ዝረክብ ምግባር ኣካል ርሑውነት ኢዩ። ርሑውነት፡ ብስሉጥነት እንተ ዘይተሰኒዩ ትርጉም ስለዘይህልዎ ድማ፡ ዘይተደልየ ግዜን ንዋትን ካብ ምብኻን ዘድሕን፡ ፍትሒ ኣብ ሰዓቱን ግዜኡን ክሕሎን ክኽበርን ዘኽእል ኣሰራርሓ ምትእትታው ድማ ወሳኒ ኢዩ። እንህቦ ኣገልግሎት ርሑውን ስሉጥን ኮይኑ ብቑዕ ምስ ዘይከውን ኣብ መወዳእታ እቲ ዕላማ ስለዘይውቃዕ፡ ተልእኾ ሚኒስትሪ ፍትሒ ምሉእ ንምግባሩ ብቕዓት ወሳኒ ኢዩ።

እዚ ብቕዓት እዚ ምርግጋጽ ድማ ብቑዕ ትካላትን ንዓኡ ዘስርሕ ብቑዕ ዓቕሚ ሰብን ምድላው ማለት ኢዩ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክግለጽ ዝጸንሐ ድማ ነዚ ንምርግጋጽ ኢና ክንሰርሕ ጸኒሕና። እዚ ኩሉ ክበሃል ዝጸንሐ ርሑው ነ ት ፡ ስ ሉ ጥ ነ ት ን ብቕዓትን ኣብ ሓደ መሰረታዊ ነጥቢ ኢዩ ዝምርኮስ – ኣብ ህላወ ናይ ዘተኣማምን ሕግታት። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ናትና እንብሎ ንዓና ዝመስል ሕግታት ኣብ ምድላው ሰሕግታት ምስ ህዝብን ትካላትን ኣብ ምልላይ ከኣ ንርከብ።

ሕቶ፡ እዚ ሕግታት እዚ ንትግባረ ድሉው ከምዘሎ ካብ ዝፍለጥ ግዜ ኣይወሰደን ዶ?

ኣብ ዝኾነ ናይ ህንጸት መስርሕ፡ መሰረት ምንጻፍ እቲ ዝኸበደን ግዜ ዝወስድን ኢዩ። ህንጻታት ንላዕሊ ክወጹ እንተኾይኖም ፈለማ ንታሕቲ ኢኻ ትኹዕት። ዝበረኸ ህንጻ ድማ ዝዓሞቐ መሰረት ይሓትት። መሰረትን ኣብ ምህናጹ ዝተሓልፈ ጻዕርን ተራኣዪ ኣይኮነን፡ ሰብ ብባህሪኡ ኣብቲ ልዕሊ መሬት ዝርአ ኢዩ ዘተኩር። መሰረት ኣብ ምንጻፍ ዝኣክል ግዜ ምስ ትወስድ እቲ ቐጺሉ ዝስዕብ ስራሕ ኣተኣማማኒ ይኸውን። “ግዜ ወሲዱ” ወይ “ባኺኑ” ዝበሃል ኢድካ ኣጣሚርካ ካብ ስራሕ ምስ ትቦኩር ኢዩ። ብወገንና ንመስርሕ ትግባረ ኣተኣማማኒ ኣብ ዝገብሮ ንጥፈታት ተጸሚድና ንሰርሕ ኣለና። እዚ መስርሕ’ዚ ኣብ ሰለስተ መድረኻት ከፋፊልካ ዝረአ ኢዩ።

እቲ ናይ ምድላዉ ዕማም ምስ ተዛዘመ፡ ፈለማ እተን ኣውሓስትን ኣኽበርትን ሕግን ጸጥታን ዝኾና ትካላት ነቲ ሕጊ ክፈልጥኦ ነይሩወን። በዚ መሰረት ድማ እቲ ቀዳማይ መድረኽ ነቲ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ትካላት ምውራዱ ኢዩ ነይሩ። ትካላት ትሕዝቶ እቶም ሕግታት ተላሊየን፡ ዘሰክመን ሓላፍነት ፈሊጠን፡ ደረት ስልጣነን ተረዲአን፡ ንምትግባሩ ዝግባእ ምድላዋት ክገብራ ኣለወን። ትካላት ምስ ትሕዝቶ እቲ ሕጊ ዝዳረግ ምድላዋት ከይገበራ ናብ ትግባረ ምኻድ፡ ቀደም ተኸተል ዘይምሕላው ኢዩ ዘስዕብ። ብድሕሪ’ዚ ዝመጽእ፡ ነቲ ተጋልጋሊ ዝኾነ ዜጋ ምስቲ ሕጊ ምልላይ ኢዩ። እዚ ድማ ሕጂ ንሰርሓሉ ዘለና መድረኽ ኢዩ። ህዝቢ ን ት ሕ ዝ ቶ ሕ ጊ ተረዲኡ፡ መሰላቱን ግቡኣቱን ፈልዩ ምስ ዝፈልጥ ነቲ ናይ ትግባረ ስራሕ ኣዝዩ ኢዩ ዘቕልሎ።

ከምዚ ኣብ ምስላ ዓረብ ዘሎ “ፈሃም ኣ-ሱኣል ኑሱፍ ኣል-ኢጃባ” (ንሕቶ ምርዳእ ፍርቂ መልሲ ምፍላጥ ኢዩ)። ዜጋታት ሕጋዊ መሰለ-ግዴታኦም ምስ ዝፈልጡ’ዩ እቲ ኩሉ ጸዕርታት ትርጉም ዝህልዎ። ዜጋታት ካብቲ ክፈልጥዎ ዝደልዩ ክሳብቲ ክፈልጥዎ ዝግባእ ምስትምሃር ወሳኒ ኢዩ። ኣፍልጦ ዘይምህላው፡ ፍትሒ ናይ ምድንጓይን በደል ናይ ምትባባዕን ኣሉታዊ ተራ ኢዩ ዘለዎ። ስለዚ ድማ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ሕጊ ክብ ምባል ንሰርሓሉ ኣለና። ካብዚ ቀጺልካ’ዩ እምበኣር፡ ትካላት ፈሊጠን ብኡ መሰረት ምድላዋተን ኣጽፊፈን፡ ህዝቢ ድማ ተረዲኡ ብግቡእ ክጥቀመሉ ኣብ ዝኽእለሉ በጺሕና ኣብ ዝበልናሉ ናብ ምእዋጅ ዝኸይድ። ከምዚ ዝበለ ድልዱል መሰረት ኣብ ምውዳድ ዝሓልፍ ግዜ ከም ብኩራት ክረአ ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ ግዜ ወሲዱ ዝብል ሕቶ ካብ ሰናይ ድልየት ዝነቅል ምዃኑ ይርደኣና’ኳ እንተኾነ፡ ህድእ ኢልካ ዝግባእ ግዜ ድልዱል መሰረት ኣብ ምንጻፍ ምስ ሓለፈ፡ እናሓደረ ኣዕጋቢ ውጽኢት ከም ዝህልዎ ኣይንጠራጠርን።

ሕቶ፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ክብ ምባል ጽቡቕ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ህዝቢ ንትሕዝቶ ሕጊ ክፈልጥ ግድን ድዩ? ትሕዝቶ ሕጊ መሚኻ ምፍላጥ ናይ ዝምልከቶም ሰብ ሞያ ዶ ኣይኮነን?

ኣገዳሲት ሕቶ ኢያ። ኣፍልጦ ህዝቢ ክብ ምባል ክንብል ከለና እንታይ ማለትና ምዃኑ ምብራህ የድሊ። ልክዕ ኢዩ ንነፍስ-ወከፍ ዜጋ ትሕዝቶ ሕጊ ብዓናቕጹ ምፍላጥ ኣየገድሶን ይኸውን። ከምኡ ምግባር ንሰብ ሞያ ዝግደፍ ኢዩ። ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኣብ ሕ ጊ ም ዕ ባ ይ ክንብል ከለና ግን፡ መሰረታዊ መ ት ከ ላ ት ሕግና እንታይ ምዃኑ ምልላይ ማለት ኢዩ። ሕግታትና ኣብ ከመይ ዝበለ እምንቶ ዝተሃንጹ ምዃኖም ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ክርድኦ የድሊ።

ህዝቢ መንፈስ ናይዚ ሕግታት እዚ እንታይ ኢዩ ከይተረደአ፡ ዘይተመለሰ ሕቶታት እናሃለዎ ናብ ትግባረ ምስጋር ዘይተደልየ ኮለል ምዕዳም ኢዩ። እዚ ኣፍልጦ ናይ ምብራኽ መደብ፡ ‘ሕጊ ከምዚ ይእዝዝ፡ ከምዚ ከኣ የተባብዕ’ ዝብል መባእታዊ ጉዳይ ጌርካ ዝውሰድ ኣይኮነን። ምስቲ ኮማት ናይ ምሕያል (empowerment) መደብ ዝኸይድ ኢዩ።

ዜጋታት ሕጋዊ መሰለ-ግዴታኦም ዝርድኡን ነተን ከገልግላኦም ዝቖማ ትካላት ዘማእዝኑን ንምግባሮም ዘኽእል ዓቢ ስራሕ ኢዩ። ሕጊ ምፍላጥ ንሰብ ሞያ ኢዩ ዝምልከት ኢልካ ተጎታቲ ምዃን ዘይኮነስ፡ ምስቶም ሰብ ሞያን ምስተን ትካላትን ዝህልወካ ዝምድና ብግቡእ ንምርዳእ ዝዓለመ ኢዩ እቲ ኣፍልጦ ክብ ናይ ምባል መደብ። ልዕልና ሕጊ ምርግጋጽ ማለት፡ ኣገደስቲ ዓናቅጽ ኣብ ወረቐት ኣስፊርካ ኣለኻ፡ ንናይ ሕጊ ሰብ ሞያ ጥራይ ገዲፍካዮ፡ ኣብያተ ፍርዲ ቆይመናሉ ስለዘለዋ፡ ዕማምካ ዛዚምካ ማለት ኣይኮነን። ልዕልና ሕጊ ማለት ብቐንዱ ልዕልና ናይቶም ዋናታት እቲ ሕጊ ዝኾኑ ዜጋታት ምርግጋጽ ማለት ኢዩ። እዚ ድማ በቲ “ዋንነት” ኢዩ ዝጅምር። ንዋናታቱ ዘይመስል ሕጊ፡ እቲ ዝግልገለሉ ዜጋ ኣዕሚቑ ተረዲኡ ምስ መንነቱ ዘይወሃሃድ ሕጊ፡ ኣብ መወዳእታኡ ገዳድን ገዛእን ደኣ’ምበር፡ ኣሳናይን ኣዕባይን ክኸውን ኣይክእልን። ሒዝናዮ ዘለና ዕላማ ድማ ሕጊ ንስኒትን ዕብየትን ዝብል ኢዩ።

ሕቶ፡ ሕጊ ንስኒትን ዕብየትን፡ ብልክዕ እንታይ ማለት ኢዩ?

ዕብየት ብዙሕ መብርሂታት ዘድልዮ ኣይመስለንን። ከም ሕብረተሰብ ክንልወጥ፡ ከም ሃገር ክንዓቢ፡ ክንስልጥን፡ ክንምዕብል ዘኽእል ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል እምንቶ ኢዩ ተሃኒጹ እዚ ሕግታት። እቲ ስኒት ድማ፡ ግጭት ምውጋድ፡ ውህደት ምርግጋጽ ማለት ኢዩ። ዜጋታት ክንድ’ቲ ብዝሖም መድረኻዊ ዝኾነ ውልቃዊ ናይ ረብሓ ፍልልያት ኣለዎም። ናይ ደርብታት ፍልልይ ኣሎ። ናይ ቅዲ ናብራ ፍልልይ ኣሎ፡ ባህላውን ማሕበራውን ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ፍልልያት ኣሎ። እቲ ከም ሕብረተሰብ ክንዓቢ ዘለና ባህጊ ተግባራዊ ክኸውን ምእንቲ ድማ ነዞም ፍልልያት እዚኣቶም ኣጽቢቡ መንጎኛ ዝኸውን፡ ዘተዓርቕ፡ ዘቀራርብ፡ ዘስምርን ዘሳንን ስርዓተ ሕጊ ኢዩ ዘድሊ። ንርኹብ ንስኡን፡ ንከተመኛ ንተቐማጢ ገጠር፡ ንተባዕታይ ንኣንስታይ፡ ንጓሳ ንሓረስታይ ንነጋዳይ፡ ንምሁር ንዘይተማህረ . . . ዘሳኒ። ከም ዜጋታት ማዕርነትና ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዘረጋግጽ ሕግን ስርዓትን ማለትና ኢዩ። እዚ ረዚን ተልእኾ’ዚ ድማ ኣብ ወረቐት ስለ ዘስፈርካዮ ጥራይ ዕማመይ ዛዚመ እትብለሉ ኣይኮነን። እቲ ናይ ኣስተምህሮን ጎስጓስን መደብና እምበኣር፡ ሕጊ ንስኒትን ዕብየትን ኣብ ዝብል ዕላማ ዝሓዝናዮ ነዚ ንምብቃዕ ዝሕግዝ ቀዳማይ ስጉምቲ ንምውሳድ ስለዝተደልየ ኢዩ።

ሕቶ፡ እዚ ኣስተምህሮታት እዚ ብኸመይ ኢዩ ክካየድ? ንክንደይ ዝኣክል ግዜ ኸ? 

ድሮ ክስርሓሉ ጸኒሑ’ሎ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ እቲ ሕግታት ኣብ ትካላት ወሪዱ ተዘቲዩሉ። ኣብ ዞባታት ሰሚናራት ተገይሩ። ሕጂ ድማ ንመላእ ህዝቢ ብመልክዕ ሲቪካዊ ኣስተምህሮ ብመራኸቢ ብዙሓን ስሩዕ መደባት ናይ ምፍናው መደብ ኣውጺእና’ለና። ምስ ዜና ብዝተገብረ ምርድዳእ መሰረት ድማ ካብዚ እንኣትዎ ዘለና ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ንሓደ ዓመት ዝቕጽል መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ኣብ ጋዜጣ፡ ሰሙናዊ ብሰለተ ቋንቋታት ማለት ዓረብ፡ ትግርኛን ትግረን ክኸውን ኢዩ። ኣብ ሬድዮ ብኹለን ቋንቋታት ሃገርና ሰሙናዊ ክፍኖ ኢዩ። ኣብ ተለቪዥን ድማ ሰብ ሞያ ሕጊ በብእዋኑ እናቐረቡ፡ መብርሂ ኣብ ዘድልዮም ጉዳያት ሓባራዊ መረዳእታ ኣብ ምፍጣር ክሰርሑ ኢዮም። በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣንበብትን ሰማዕትን ብግቡእ ተኸታቲሎም፡ ሃናጺ ርእይቶታት ከካፍሉ ንዕድም። ንሚኒስትሪ ዜና ድማ ነዚ መደብ’ዚ ክዉን ኣብ ምግባር ብዝተጻወቶ ግደ ነመስግን።